ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስርሕ ሹመትኣምባሳደራት US ናብ ኢትዮዽያን ሕብረት ኣፍሪቃን


US Senate
US Senate
ሴኔት ኣሜሪካ፣ብምምሕዳር ኦባማ ንዝቀረበሉ ሹመት ላዕለዎት ዲፕሎማታት ኣብ ኣፍሪቃን ኢትዮዽያን ናይ ምስማዕ መስርሕ ትማሊ ረቡዕ ጀሚሩዎ።

ንኣሜሪካ ወኪሎም ኣምባሳደር ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ሩብን ብሪግሪ ኣብ ኢትዮዽያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዝኾና ድማ ፐትሪሽያ ሃስላክ‘የን።

ኣብ‘ቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ሰለስተ ሰኔተራት፣ሹመት‘ቶም ሕፁያት ብሙሉእ ሴኔት ክፀድቅ‘ዩ ኢሎም‘ለው።እንተኾነ፣ኣብ እዋን ስራሕቶም፣እቶም ኣምባሳደራት ክፍፅምዎም ዝወጠንዎም መደባት ንክገልፁ ተሓቲቶም ነይሮም።

ሓዳስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮዽያ ኮይነን ብፕረዚደንት በራክ ኦባማ ዝተመዘዛ ፐትሪሽያ ሃስላክ፣ንኢትዮዽያ ከምዝፈልጣኣ ጠቂሰን።

”ኢትዮዽያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ስራሕቲ ፀጥታን ድሕነትን ስትራቲካዊት መሻርኽትና‘ያ።ንመርሃ-ግብሪ ፀረ-ግብረ-ሸበራ ሕብረት ኣፍሪቃ ትመርሕ፣ ኣብ ሶማልያ ሰራዊታ ኣዋፊራ፣ኣብ ሱዳን ንመስርሕ ልዝብ ተዋድድ‘ላ። ኣብ‘ዞም ዝጠቀስክዎም ሓቢርና ሰሪሕና ኢና።ክንቅፅለሉ‘ውን ኢና። ኢትዮዽያ ንስደተኛታት ማዕፆኣ ዝኸፈተት ሃገር‘ውን‘ያ።ርክባትና ተጠናኺሮም ንክቅፅሉ ክሰርሕ‘የ“ ኢለን እተን ኣምባሳደር።

ፐትሪሽያ ሃስላል ወሲኸን፣ኣብ ኢትዮዽያ ቁጠባ ብናፅነት ዝንቀሳቀሰሉ ኣንፈት ኣብ ምጥንኻር ክንሰርሕ ኢና ኢለን።ምዕባለን ልምዓትን ካብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ተፈልዮም ከምዘይራኣዩ ንመንግስቲ ኢትዮዽያ ክተሓሳስቦም‘የ።ምስ‘ቲ መንግስቲ ሓቢረ‘ውን ክሰርሕ‘የ ኢለን።

ምስ ኣምባሳደር ፐትሪሽያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾኑ ሩብን ብርጌሪ‘ዮም።ኣብ ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ምክትል ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኮይኖም ዘገልገሉ ሚስተር ብርጊሪ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ክዕየ ዝደልይዎ መደብ ይዝርዝሩ፣

“ቀዳማይ-ዲሞክራሲን ህዝባዊ ምሕደራን፣ካልኣይ-ቁጠባዊ ምዕባለ፣ንግድን ኢንቨስትመንትን፣ሳልሳይ-ሰላምን ህድኣትን፣ራብዓይ-ረብሓታት ዜጋታት ምስፋሕን ዝብሉ ይርከብዎም” ኢሎም ንሶም።

ዝላዓለት መሻርኽቲ ልምዓት ኣፍሪቃ ዝኾነት ኣሜሪካ ዓመት ዓመት ክሳብ ሸሞንተ ቢልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ንኣፍሪቃ ተበርክት።ቀንዲ ተጠቃሚት ድማ ኢትዮዽያ።
XS
SM
MD
LG