ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ትኽተሎ ሕጊ ጸረ-ሽበራ ኸቢድ ሕቶ ዘልዕል`ዩ ትብል U.S


ንጋዜጠኛታትን ኣባላት ተቓወምትን ገበነኛታት ኢሉ ዝበየነ ፍርዲ ብዓሚቝ ዘሻቕል`ውን ትብል

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ፡ እቶም ሰባት ገበነኛታት ተባሂሎም ዘለዉ ብናይ ሓሶት ጠቐነ`ዩ ይብል። መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ንምዕፋን ዝጥቀመሉ ዘሎ ስልቲ`ውን ይብል።

ሰነተር ፓትሪክ ሊሂ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ብወገኖም፡ ከምኡ ዝገብር መንግስቲ”ብዲሞክራሲያዊ ሃንቀውታ ህዝቡ ዝፈርሕ ስርዓት`ዩ” ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝረከብ ፓርቲ ሓድነትን ዲሞክራሲን ድማ፡ ኣብያተ ፍርዲ ኢትዮጵያ፡ ብፈጻሚ ኣካል`ቲ መንግስቲ ዝዝወሩ ምዃኖም ዝመስከረ ብይን`ዩ ኢሉ`ሎ።

ምሉእ ሪፖርት ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG