ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

’ርክብ ኣሜሪካን ኤርትራን’ መዘራረቢ ህዝቢ ምስ ህዝቢ


US - ERITREA
ኤርትራን ኣሜሪካን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓባራዊ ረብሓ ኣለወን፣ሓቢረን ንክሰርሓ ዘገድደን ሃዋሁ‘ውን ኣሎ ይብል ዶ/ር ዓወት።ከምኡ ንምግባር ድማ ሕድገታት ክገብራ ኣለወን ኢሉ።

ኣሜሪካ ንኤርትራ ጠሊማታ ንምባል ዝጥቀመሉ ኣተናትና ድማ እቲ ኣብ ኣልጀርያ ብኢትዮዽያን ኤርትራን ዝተኸትመ ውዕል መሊእካ ኣብ ምትግባር ንዝተነበረላ ትፅቢት ስለዘይፈፀመት‘ዩ ይብል።

ኣቶ ዳደ ደስታ ብወገኑ፣ናይ ኣሜሪካ ስትራተጂካዊ ረብሓ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ናይ ኤርትራ ስትራተጂካዊ ረብሓታት ከመይ ኢሎም ከምዝራፀሙ፣ንምንታይ ኣሜሪካ ንኤርትራ ተፃባኢት ኮይና ጠጠው ከምትግደድ ከረደአኒ ዝኽእል ሰብ ኣይረኸብኩን ይብል።

ንሱ ወሲኹ፣ብናተይ ኣጠማምታ ናይ ኣሜሪካ ስትራተጂካዊ ረብሓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ምስ ኤርትራ ፅቡቅ ዝምድና ኣቢልካ ክሳለጡ ዝኽእሉ ምኳኖም‘ውን ሓቢሩ።
XS
SM
MD
LG