ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ኣንጻር መጥቃዕቲታት ሑቲ ተካይዱ ወፍሪ ዕውት ከምዝኾነ ትገልጽ


መጥቃዕቲታት ሑቲ ኣብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝቐጸለሉ ሕጂ እዋን መግለጺ ዝሃበት ኣመሪካ፣ እቲ ‘ሓለዋ ምዕባለ’ ክትብል ትገልጾ ወፍሪ ዕዉት ከምዝኾነ ትገልጽ።

ምክትል ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታገን) ሳብሪና ሲንግ "ገለ ሚሳይላት፣ ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም’ዶ የምልጡ ኣለው-እወ። ተዓዚብና ኣለና። መብዛሕትኡ ጊዜ ግና ወፍሪና ዕውታት ኮይኖም እዮም። ወፍሪ መላፍንትና’ውን ዕውታት እዮም" ክትብል ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂባ።

ላዕለዋይ ኣዛዚ ዕጡቓት ሑቲ ዓብዱልመሊክ ኣል-ሑቲ ብወገኑ "እስራኤል፣ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ኣብ ቓዛ ዝጀመረቶ ውግእ ክሳብ ተቋርጾ፣ ምልሻታት ሑቲ ዝጀመርዎ መጥቃዕቲ ከሐይሉ’ዮም" ይብል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG