ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዑደት ሬክስ ቲለርሰን ኣብ ኢትዮጵያ መርገፂ ኣሜሪካ ብዝበለፀ ዘረጋገፀ እዩ ኢሎም ክልተ ኣማባደራት ኣሜሪካ


ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን ዘካየዱዎ ዑደት ሃገሮም ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዘለዋ መርገፂ ብዝበለፀ ዘረጋገፀትሉ እዩ ኢሎም ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኾኑ ኣምባሳደራት ኣሜሪካ።እዞም ኣምባሳደራት ኣዋጅ ህፁጽ እዋን ንፀገማት ኢትዮጵያ ፍታሕ ከምዘይኸውን ሚንስትር ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ቲለርሰን ግልፂ ገይሮም እዮም ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ማይክል ሬይነርን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሜሪ ለይነርድን ሎሚ ኣብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ንዑደት ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን መብርሂ ዝሃበ ነይሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣወጀ ህፁፅ እዋን ብበሊሕ ካብ ዝነቐፉን ዝተቓወሙን ዓለምለኸ መሻርኽቲ ኣሜሪካ ቅድሚት ትስራዕ።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ዝፈፀሙ ሬክስ ቲለርሰን ነዚ ኣጠናኺሮም ኣለው።መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ናይ ኣሜሪካ መርገፂ ከምዘየሐጎሶ ክግለፅ ፀኒሑ’ሎ።ብዛዕባ እዚ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ዝርርብ ዝተሓተቱ ኣምባሳደር ሬይነር "ትኽክለኛን ግቡእን ዝኾነ መርገፂ እዩ።ሚንስትር ወፃኢና እውን ነዚ ትማሊ ደጊሞም ኣረጋጊፆምዎ ኣለው’’ኢሎም።መንግስቲ ግብእ ዝኾነ ናይ ፀጥታ ፀገማት ክፈትሕን ንደሕንነት ዜጋታቱ ከረጋግፅን ከምዘለዎ ንርዳእ ኢና፤እዚ ናይ ሰባት መሰላት ብዝኸብርን ፖለቲካዊ ሃዋህው ከየፅበበን ክኸውን ከምዘለዎ ተስፋ ንገብር ኢሎም።

ኣምባሳደር ሬንይነር ከምዝበሉዎ ኣሜሪካ ነዚ ካልኣይ ህፁፅ እዋን ዘይትቕበሎ ይውሰዱ ምስ ዘለው ኣወንታዊ ስጉምትታት ስለ ዘይጠዓዓሙ እዩ ኢሎም።

ሬክስ ቲለርሰን ምስ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ዘካየድዎ ዝርርብ ብዝምልከት መብርሂ ዝሃባ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣማባሳደር ሜሪ ሊየንርድ ናይ ሃገረንን ናይ ኣፍሪቃን ድልየት ዝጠዓዓም እዩ ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:54 0:00

XS
SM
MD
LG