ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲሳበባ ንኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ኣብ ኢትዮጵያ ምንቃፉ ቅኑዕ'ዩ ኢሉ ሎም'ውን ከምዝኣምን ይገልጽ


USA
USA

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተተግበረ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ፣ ብጽኑዕ ምቅዋሙን ወግዓዊ ምግባሩን ሎሚ’ውን ቅኑዕ’ዩ ዝብል መርገጺ ከምዝሓዘ’ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲሳበባ ኣፍሊጡ። ኣምባሳደር ማይክል ሬይነር ‘ኢሎምዎ’ ተባሂሉ ኣብ ሓደ ጋዜጣ ዝወጸ ጽሑፍ እውን ‘ጌጋ’ዩ’ ኢሎምዎ ወሃቢ ቃል’ቲ ኢምባሲ ኒኮለስ ባርኔት።

ኣምባሳደር ሬይነር ምስ ሚኒስትር ወጻኢ ዝነበሮም ውዕሎ ውልቃዊ ጉዳይ ከምዝኾነ’ውን’ዮም እቶም ወሃቢ ቃል ተዛሪቦም።

‘እቶም ኣምባሳደር ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ዝተመርኮሰ ልዝብ ነይሩዎም። ብሓፈሽኡ ንሕና ኣብ ውልቃዊ ጉዳያት ተመርኩስና ሪኢቶ ኣይንህብን’ ኢሎም ወሃቢ ቃል’ቲ ኤምባሲ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ንኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ምቅዋሙን ወግዓዊ ምግባሩን ዝሓዞ መርገጺ ሎሚ’ውን ኣብ ቦትኡ ኣሎ ኢሎም እቶም ወሃቢ ቃል። እቶም ኣምባሳደር ‘ኢሎምዎ’ ዝተባሃለ’ውን ጌጋ’ዩ ኢሎም።

ብዛዕባ’ዚ ዜና’ዚ ንሪኢቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምርካብ ዝገበርክዎ ጻዕሪ ኣይሰለጠን፣ ፈተነይ ክቕጽል’ዩ ዝበለ ኣቐባሊና ሕብረት ኣውሮጳን መንግስቲ እንግሊዝን’ውን ንመግለጺ ኣሜሪካ ዘንጸባርቕ መግለጺ ከምዘውጽኡ ዝዝከር’ዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:42 0:00

XS
SM
MD
LG