ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንዜጋታቱ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ


ንሕቶ ምልቃቅ መዝነት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ስዒቡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንኩነታት እታ ሃገር ብቀረባ ይከታተል ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤምባሲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ዝተፈጥረ ተጽዕኖ ብዝምልከት ዝተፍለጠ ነገር ከምዘየለ ብምሕባር ዘይተደልየ ናይ ጸጥታ ጉዳይ ከጋጥም ከምዝኽእል ብምዝኽኻር ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ካብ አዲስ አበባ ወጻኢ ንምጋሽ ኣፍልጦ ኤምባሲ ክረኽቡ ከምዘለዎም ሓቢሩ።

አዲስ አበባ ዝርኸብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ብተወሳኺ መራኸቢ ብዙሃን ምኽትታል፥ መብርሂ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ምኽትታትል ካብ ሰልፊን ኣኼባን ምርሓቕ ንከባቢ ብልቦና ምዕዛብ ከምዘድልይ ብምግላጽ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ዘይተረጋገአ ብምኳኑ ብዘይተሓስበ ጊዜ ሕማቕ ኩነታት ከጋጥም ከምዝኽእል ምስትውዓል የድልይ ኢሉ'ሎ።

XS
SM
MD
LG