ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነዊሕን ኣዚዩ ንሕንሕ ዝተመልኦን ናይ ሎም ዘበን ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ


ኣድመፅቲ ዝተፈላለያ ክፍለ ግዝኣታት ዩናይትድ ስቴትስ ካብ ትማሊ ሰኒ ጀሚሮም ብኣካል ኣቐዲሞም የድምፁ ኣለው።ብደብዳበ ኣቢሎም ምድማፅ ካብ ዝጅመሩ ግን ፀኒሖም ኣለው።ኣሜሪካዊያን ዝቕል ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ ጥራሕ ከይኮነስ ወኪላት ከባቢኦምን ክፍለግዝኣቶምን ንምምራፅ እውን ድምፂ ክህቡ እዮም።

ናይ ሎሚ ዘበን ፕሬዝዳንታዊ ወፍሪ ኣብ ቀረባ ታሪኽ ምርጫ ዩናይትድ ስቴትስ ሓደ ካብ መንጎ ነዊሕን ኣዚዩ ንሕንሕ ዝተምኦን ምርጫ ኮይኑ’ሎ።ገለ ኣድመፅቲ ብዛዕባ እቲ ምርጫ ምጭናቖም ጠጠው ንምባል ኣቐዲሞም ከድምፁ ይደልዩ።’’ብዝደለኹዎ ኣገባብ ከድምፅ እየ፤ንርእሰይ ኣብ ጭንቂ ከእቲ ድልየት የብለይን።ድሕሪ ሕዚ ጭንቂ የብለይን ምኽንያቱ ካባይ ዝድለ ስለዝሰራሕኹ’’ ትብል ሓንቲ ሪቱኣ ዝሃበት።

ትማሊ ሰኒ ኣብ ገለ ኖቕጣታት መውሃቢ ድምፅ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ብዙሕ ሰብ ሪጋ ሒዙ ከድምፅ ውዒሉ’ሎ።

ድምፂ ንምሃብ ለይቲ ኣንጊሁ ሪጋ ከምዝሓዘ ይዛረብ ሓደ ውሃቢ ሪኢቶ።

ሪፓብሊካዊ ፕሬዝዳንታዊ ሕፁይ ዶናልድ ትራምፕ ገና ዘይፈለየት ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ኣገዳስነታ ይፈልጡ እዮም።ትማሊ ሰኒ ንደገፍቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብሂላሪ ይምርሑ ከምዘለው ንዝገልፅ ኣሃዛዊ መዐቀኒ ሪኢቶ ህዝቢ ሓቅነት ዘይብሉ እዩ ኢሎም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሂላሪ ክንልቴን ንትራምፕ ዕሽሽ ብምባል ኣብዚ እዋን ብሪፓብሊካዊያን ይዕብለል ዘሎ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዩናይትድ ስቴትስ ንምእታው ይወዳደሩ ንዘለው ሕፁያት ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ብምድጋፍ ወፍሪ ኣካይደን ኣለዋ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:28 0:00

XS
SM
MD
LG