ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህቦብላዊ ዝናብ ንፕረዚደንታዊ ወፍሪ ምርጫ ፀልዪዎ


ፕረዚደንት ኦባማ ንኩነታት ህቦብላዊ ዝናብ ይከታተሉ
ፕረዚደንት ኦባማ ንኩነታት ህቦብላዊ ዝናብ ይከታተሉ
ህቦብላዊ ዝናብ ሳንድይ (Hurricane Sandy)፣ንምብራቃዊ ግዝኣት ኣሜሪካ፣ከናውፆ ኣብ ዝተቃረበሉ እዋን፣ፕረዚደንት በራክ ኦባማን መነሓንሕቶም ዲታ ሚት ራምንን፣ንወፍሪ ምርጫ ንጊዚኡ ኣቋሪፆሞም።

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ተመሊሶም፣ነቲ ጥፍኣት ከስዕብ ይኽእል‘ዩ ተባሂሉ ይፍራሕ ዘሎ ኩነታት ንምቁፅፃር ብዛዕባ ይግበር ዘሎ ቅድመ-ምቅርራብ ምስ ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን ይዘራረቡ ኣለው።

ብዘይካ‘ዚ ኣብ ፍሎሪዳን ቨርጅንያን ንዝነበሮም መደባት ወፍሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሰሪዞምዎ።ፅባሕ ኣብ ኮሎራዶን ዊስኮንስን‘ውን መደብ ወፍሪ ምርጫ ነይሩዎም።ግን ኣቋሪፆምዎ‘ለው።

ኣብ ቨርጅንያን ዊስኮንስንን ንዝነበረ መደብ ወፍሪ ዝሰረዙ ኣማሓዳሪ ሚት ራምንይ ግና ነቲ ኣብ ማእከላይ ክፍላ-ሃገር ኦሃዮን ኣይዋን ክቅፅሉሉ‘ዮም።
XS
SM
MD
LG