ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓምላይ ሰልፊ ንውጽኢት ምርጫ ኣመሪካ ብኸመይ ይጸሉ?


ሓምላይ ሰልፊ ንውጽኢት ምርጫ ኣመሪካ ብኸመይ ይጸሉ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:37 0:00

ሓምላይ ሰልፊ ንውጽኢት ምርጫ ኣመሪካ ብኸመይ ይጸሉ?

ኣባል ሓምላይ ሰልፊ ጂል ስተይን፡ ኣስታት 1% ድጋፍ ከም ዘለዋ ዳህሳስ ህዝባዊ ርእይቶታት የምልክት። ስተይን ኣብዚ ሰሙን ሰሉስ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምዕዋት ዘለዋ ተኽእሎ ዳርጋ ዘየሎ ደኣ ይመስለ እምበር፡ እቲ ንዓኣ ዝወሃብ ድምጺ ግን ኣብቶም ቀንዲ ተወዳደርቲ ፍልልይ ከምጽእ ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይኣምኑ።

ኣባል ሓምላይ ሰልፊ ጂል ስተይን ኣብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ክትኣቱ ፈለማኣ ኣይኰነን። ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻመየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ’ውን 1% ናይ ሓፈሻዊ ድምጺ ረኺባ ነይራ። ኣብ እዋኑ እቶም ሓያሎ ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ናብ ሂላሪ ክሊንተን ክኸይድ ዝነበሮ ድምጺ ከም ዝተጫረተት ይኣምኑ። ንኣብነት ኣብ ክፍለ-ሃገር ሚሺጋን፡ ትራምፕ ንሂላሪ ብ11-ሽሕ ድምጺ’ዩ ስዒሩዋ። ኣብኡ ድማ ስተይን 51-ሽሕ ድምጺ ረኺባ።

እንተዀነ፡ ኵሉ ናብ ስተይን ዝኸደ ድምጺ ንሂላሪ ምኸደ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘይሰማምዑ ተንተንቲ ኣለዉ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG