ዋሽንግተን —
ኣባል ሓምላይ ሰልፊ ጂል ስተይን፡ ኣስታት 1% ድጋፍ ከም ዘለዋ ዳህሳስ ህዝባዊ ርእይቶታት የምልክት። ስተይን ኣብዚ ሰሙን ሰሉስ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምዕዋት ዘለዋ ተኽእሎ ዳርጋ ዘየሎ ደኣ ይመስለ እምበር፡ እቲ ንዓኣ ዝወሃብ ድምጺ ግን ኣብቶም ቀንዲ ተወዳደርቲ ፍልልይ ከምጽእ ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይኣምኑ።
ኣባል ሓምላይ ሰልፊ ጂል ስተይን ኣብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ክትኣቱ ፈለማኣ ኣይኰነን። ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻመየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ’ውን 1% ናይ ሓፈሻዊ ድምጺ ረኺባ ነይራ። ኣብ እዋኑ እቶም ሓያሎ ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ናብ ሂላሪ ክሊንተን ክኸይድ ዝነበሮ ድምጺ ከም ዝተጫረተት ይኣምኑ። ንኣብነት ኣብ ክፍለ-ሃገር ሚሺጋን፡ ትራምፕ ንሂላሪ ብ11-ሽሕ ድምጺ’ዩ ስዒሩዋ። ኣብኡ ድማ ስተይን 51-ሽሕ ድምጺ ረኺባ።
እንተዀነ፡ ኵሉ ናብ ስተይን ዝኸደ ድምጺ ንሂላሪ ምኸደ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘይሰማምዑ ተንተንቲ ኣለዉ።
ቅጥዒ