ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ግብፂ ቅልጡፍ ኣግባብ ዘለዎን ሰላማውን ስግግር ክጅመር ኣለዎ ኢሎም


Pro-government demonstrators, below, and anti-government demonstrators, above, clash in Tahrir Square, the center of anti-government demonstrations, in Cairo, Egypt, February 2, 2011
Pro-government demonstrators, below, and anti-government demonstrators, above, clash in Tahrir Square, the center of anti-government demonstrations, in Cairo, Egypt, February 2, 2011

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ሓዊሱ ምዕራባውያን መራሕቲ ኣብ ግብፂ ቅልጡፍ አግባብ ዘለዎን ሰላማውን ስግግር ክጅመር ኣለዎ ኢሎም።

ፕረዚደንት ኦባማ ምስ ፕረዚደንት ሙባረክ ብቀጥታ ብስልኪ ከም ዝተዘራረቡን እቲ ኩነታት ከምዘለዎ ክቅፅል ከምዘይኽእልን ለውጢ ክግበር ከምዘለዎ ሙባረክ ከምዝተገንዘቡ'ውን ገሊፆም።

ኣብ ካይሮ ኸአ ደገፍቲን ተቃወምቲን ፕረዚደንት ሑስኒ ሙባረክ ተጋጭዮም ሓያለ ሰባት ቆሲሎም።

ንፕረዚደንት ሙባረክ ዝድግፍ ሰልፈኛታት ኣብቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ፀር-መንግስቲ ተቃውሞ ዝካየደሉ ኣደባባይ ታሕሪር ከይዶም። ኣብቲ አደባባይ ገና ፕረዚደንት ሙባረክ ክሳብ ዝወርዱን ካብታ ሃገር ዝወፁን ካብቲ አይንኸይድን ዝበሉ ኣሽሓት ተቃወምቲ ሰልፈኛታት ይርከቡ።

በቲ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቃወምቲን በእማንን ኣባትርን ዝተኻየደ ጎንፂ ሓያለ ሰባት ቆሲሎም። ክልቲኦም ወገናት ዝተጓነፁ ፕረዚደንት ሙባረክ ኣብ ዝመፅእ መስከረም ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከም ዘይቀርቡን ክቀርቡ’ውን ከም ዘይሓለኑ ግን ሕጂ ካብ ስልጣን ከምዘይወርዱን ብተለቪዥን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መደረ ድሕሪ ምግላፆም’ዩ።

ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ምስ ኣማኸርቲ ፀጥታ ኾይኖም ትማሊ ሙሉእ መዓልቲ ንኩነታት ግብፂ ድሕሪ ምክትታሎምን ንመደረ ፕረዚደንት ሑስኒ ሙባረክ ብተለቪዥን ምስ ተኸታተሉን ሙባረክ ቅልጡፍ ግቡእን ሰላማዊን ስግግር ክጅምሩ ከም ዝነገርዎም ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG