ኣመሪካ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ተጽዕኖ ንምሕዳር ኣብ ልዕሊ ምስ ክልቲኦም ሓይልታት ምትእስሳር ዘለዎም ትካላትን ወልቀሰባትን ናይ ቁጠባን ቪዛን እገዳ ከምእተነብር ኣፍሊጣ።
ሚንስትሪ ገንዘብ ኣመሪካ ንክልተ ትካላት ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጸሊም መዝገብ ከስፍር ከሎ ንትካልን ዕደና ወርቂ ኣል ጁናይድ ዝርከቦም ክልተ ኣዛዚ ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃቢ ሓገዝ መሓማድ ሓምዳን ዳጋሎ(ሒሚቲ) ዝቆጻጸረን ክልተ ትካላት እገዳ ኣንቢሩ'ሎ።
ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ድማ ንኣባላት ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታትን ኣባላት መሪሕነት ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽርን "ንምስግጋር ሱዳን ናብ ዲሞክራሲ ኣንቂፎም" ብዝብል ናይ ቪዛ እገዳ ኣንቢሩ'ሎ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝርዝር ኣብዚ እገዳ ቪዛ ዝኣተው ውልቀሰባት ኣይረቑሐን።
ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ነዚ መግለጺ ዝሃበ ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ብመንጎኝነት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ሓይልታት ወሃቢ ቅልጡፍ ሓገዝ ንስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ኣየኽብሩን ኣለው ብምባል ድሕሪ ምውጽኡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዕዳጋ ከተማ ኻርቱም ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ተኹሲ 18 ሰባት ምሟቶም ስዒቡ'ዩ።
ሚንስትሪ ገንዘብ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በቲ እገዳ ተሓተቲ ዝኾኑ ብኣዛዚ ቅልጡፍ ወሃቢ ድጋፍ ጀነራል መሓመድ ዳጋሎን ሓዉን ዝምራሕ ኣል ጁናይድ ማልቲ ኣክቲቪቲስ ልምትድ ዝተባህለ ካምፓኒን ኣብ ኢማራት ዓረብ ዝመደበሩ ትራዲቭ ጀነራል ትረዲንግ ከምኡ`ውን ዝዓበየ ካምፓኒን ኢንዱስትሪን ምክልኻል ሱዳን ዘጠቓልል`ዩ።
ሚንስተር ገንዘብ ኣመሪካ ጃነት የለን “በዞም እገዳታት ጌርና ንቁልፊ ዋሕዚ ገንዘብ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳንን ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃቢ ድጋፍን ብምዕጻው፡ ንዓቕምታት ገንዘቦምን መሳለጥያታቶምን ክንዓጽዎ መደብ ኣለና” ኢላ።
ፕረዚደንት ባይደን ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ነቲ ናይ ሱዳን ግጭት ንምዕራፉ ዝዓለመ ናይ መቕጻዕቲ ስጉምቲ ዝህብ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኔሩ።
እቲ ማዕቀባት ኣብ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን እቲ ኲናት ለውጢ ዘምጽእ እንተኾይኑ ግን ንጹር ኣይኮነን። ካሉድ ካይር ዝተባህለ መስራቲ ኣብ ኻርቱም ዝርከብ ኮንፍሉወንስ ኣድቫይሰርይ ዝተባህለ ትካል መጽናዕቲ ርእይትኡ ክህብ ከሎ፡ ማዕቀብ ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለዉ ተወሳእቲ ድጋፍ ከድልዮ`ዩ ይብል።።ምምሕዳር ባይደን ነቲ ግጭት ንምዕራፍ ከም ሕብረት ኣፍሪቃን ስዑዲ ዓረብን ዝበሉ የተሓባብር ከም ዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።
ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ጅዳ ዝሽምግልኦ ዝነበራ ዝርርብ ሰላም ሱዳን ጠጠው ኣቢለንኦ ኣለዋ፡ ዝሃብኦ ምኽንያት ድማ እቲ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ብተደጋጋሚ ይጥሓስ ስለዘሎ ዝብል`ዩ።
ናብ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ኻርቱም ከቢድ ግጭት ምንባሩን፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ቀጺልዎ ምንባሩን ነበርቲ ሓቢሮም ኣለዉ።
እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ብመሰረት ጻውዒት ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ፣ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ናይ 90 ደቓይቅ ዕጹው ኣኼባ ኣካይዱ ኣሎ። ኣንቶንዮ ጉተረዝ፣ ዋና ጸሓፊ ኣብ ዝኾኑለን ሓሙሽተ ዓመታት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባ ንክጽውዑ መበል ሓምሻይ ጊዜኦም ከምዝኾነ ይፍለጥ።
ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ስቴፈን ያሪክ ኣብ ሱዳን፣ ሰብኣዊን ፖለቲካዊን ቅጽበታዊ ኩነታት ንዕዘብ ኣለና። ዋና ጸሓፊ ድማ እንታይ ከምዝሓስቡ ምስ ኣባል ሃገራት ቤት ምኽሪ ከካፍሉ ስለዝደለዩ እዩ እቲ ዕጹው ኣኼባ ተጸዊዑ ከምዝበለ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ቅጥዒ