ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅልውላው ሕማም ኢቦላ ምዕራብ ኣፍሪካ ንምሕጋዝ ወታደራት ዩናይትድ ስቴትስ ክልኣኹ እዮም


Obama Ebola
Obama Ebola

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ንቅልውላው ሕማም ኢቦላ ምዕራብ ኣፍሪካ ዝሕግዙ 3,000 ወታደራት ዩናይትድ ስቴትስ ንምልኣኽ ዕላዊ ክገብሩ እዮም።
ሎማዕንቲ ሰሉስ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኣትላንታ ከተማ ጆርጂያ ኣብ ዝርከብ ናይ ፌደራል ማእኸል ምቁፅፃርን ምልኻልን ሕማም ብምርካብ እዮም ነዚ ወግዓዊ ዝገብሩ።
ኣባላት ወታደራዊ ሓይሊ ዩናይትድ ስቴትስ ንግዳያት እቲ ቫይረስ ንምጋልልን ንምሕካምን ዘኽእሉ ሓደ ሚእቲ ዓራት ዝርከብዎም 17 ናይ ሕክምና መሳለጢያታት ዝሓዙ እዮም።ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ን500 ሰራሕተኛታት ጥዕና ዘሰልጥን ትካል እውን ከጣይሹ እዮም።
ብመሰረት መገልፂ ዋይት ሃውስ ማእኸላይ እዚ እቲ ልኡኽ ኣብ ዋና ከተማ ላይበሪያ ሞንሮቪያ እዩ ክኸውን።

XS
SM
MD
LG