ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩናይትድ ስቴትስ 50 ክኢላታት ጥዕና ናብ ሰለስተ ሃገራት ምዕራፍ ኣፍሪካ ትልእኽ ኣላ


ናይጀሪያ ብኢቦላ ዝተትሓዘ ካልኣይ ሰብ ምርካባ ኣፍሊጣ።ዩናይትድ ስቴትስ ምስፍሕፋሕ ሕማም ኢባላ ንምቁፅፃር እንተወሓደ 50 ክኢላታት ትልእኽ ኣላ።

በቲ ሓማም ተታሒዙ ዘሎ፤ቅድሚ 10 ማዕልታት ብኢቦላ ኣብ ሌጎስ ንዝሞተ ላይበሪያዊ ዝሓከመ ናይጀሪያዊ ዶ/ር ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።ምንስቴር ጥዕና ናይጀሪያ ኦኒየቡቺ ቹክው ሎማዕንቲ ሰኒ ከምዝገለፅዎ ካልኦት ሸሞንተ ሰባት እውን ክግለሉ ከምዝተገብረን ናይ ሰለስተ ሰባት ውፅኢት ምርመራ እውን እናተፀበዩ ምዃኖምን ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ማእኸላት ምቁፅፃር ሕማማት ኣብዚ ዓመት እዚ ብሰንኪ ኢቦላ ህይወት ልዕሊ 800 ሰባት ናብ ዝስኣና ሰለስተ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ጊኒ፣ሲየራ ሊዮንን ላይበሪያን 50 ክኢላታት ጥዕና ኣብ መወዳእታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ክልእኽ እዩ።

ናይ ዩናይትድ ስቴተስ ዳይረክተር ማእኸላት ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማማት ዶ/ር ቶም ፍራይደን እቲ ሕማም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሴየራ ሊዮንን ላይበሪያን ካብ ቁፅፅር ወፃኢ እንተኾነ እውን ምቁፅፃር ግን ይክኣል እዩ ኢሎም።

እቶም ክኢላታት ንቶም ሕሙማት ኣብ ምርካብ፣ሕክምና ክረኽቡ ኣብ ምርግጋፅ፣ካበይ ከምዝመፁ ኣብ ምፍልጣ፣ንሰባት ኣብ ምምሃርን ኣብ ዝእመሰሉን መዳያት ክሕግዙ እዮም።

ኣብ ላይበሪያ ንሕሙማት ክሕክም ከሎ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ኣሜሪካዊ ዶ/ር ኬንት ብራንትሊ ፍሉይ መሳርሒታት ብዝተግጠመላ ነፋሪት ኣቢሉ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ተመሊሱ’ሎ።

ኣብ ላይበሪያ በቲ ሕማም ዝተትሓዘት ምሴናዊት ናንሲ ራይትቦል እውን ናብ ኣሜሪካ ክትምለስ ትፅቢት ኣሎ።

ናይ ዩናይትድ ስቴቲስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ነቲ ጉዳይ ብኸቢድ ይከታተሉዎ ኣለው ክብል ኣብዝሓለፈ ዓርቢ ገሊፆም ኣለው።

ሓደጋ ኢቦላ ካብዘንፀላለወን ሃገራት ንጉባኤ ዝመፁ መራሕቲ ኣፍሪካ ቅድሚ ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ምእታዎም ምርመራ ክግበረሎም እዩ ኢሎም ፕሬዝዳንት ኦባማ።

XS
SM
MD
LG