ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዲቪ ሎተሪ ካብ ሰሉስ ጀሚርኩም ምምላእ ትኽእሉ ኢኹም ኢሉ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲሳበባ


DV Lottery
DV Lottery

ናብ ኣሜሪካ ዘእቱ ዲቪ ሎተሪ (Diversity Lottery)ዝመጽእ ሰሉስ ጀሚሩ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ከምዘብቕዕ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲሰበባ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያዊያን ካብ ሞንጎ’ቶም ከመልክቱ ዝኽእሉ ዜጋታት ገሊኦም’ዮም። ነቲ ድሕሪ ክልተ ዓመት ውጽኢቱ ዝትግበር 50 ሽሕ ሰባት ኣብ ዙርያ ዓለም ዕጻ ክወጸሎምሎም ይኽእል’ዩ። ኩሎም ድልየት ዘለዎም ሰባት ‘ብኤለክትሮኒክስ’ ጥራሕ’ዮም ከመልክቱ ዝኽእሉ። ማለት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጥራሕ’ዮም ነቲ ቅጥዒ መሊኦም ከርክቡ ዝግባኦም።

ምክትል ሓላፊ ኣገልግሎት ቪዛ’ቲ ኤምባሲ ማናብ ጀብ ‘ብቕዓት ዘይብልኩም ተኾይኑ ኣይትሕተቱ’ ኢሉ።

ዲቪ ሎተሪ ዝመልእ ሰብ 1ይን 2ይን ብርኪ ቤ/ትምህርቲ ዝዛዘመ ክኾን ይግባእ። ኣብ ኢትዮጵያ ዛዛሚ ፈተና ካልኣይ ብርኪ (ESLCE) ምውሳድ ኣኻሊ’ዩ ይብል እቲ ኤምባሲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ።

ልዕሊ ኩሉ ቕጥዒ ቪዛ ሎተሪ ዝመልኡ ሰባት መደናገሪ ሓበሬታ ካብ ምሃብ፣ ካብ ሓደ ጊዜ ንላዕሊ ነቲ ፎርም ንከይመልኡን ኣዝዮም ንክጥንቀቁን ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣተሓሳሲቡ። ክፍሊት ኣይትሕተቱን።

ተወሳኺ ሓበሬታ እንተደሊኹም ኣብ መርበብ ሓበሬታ dvlottery.state.gov ሃሰስ ክትብሉን ክትረኽቡን ትኽእሉ ኢኹም።

XS
SM
MD
LG