ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንስቴር ፍትሒ ዩናይትድ ስቴትስ ብሓሽሽ ናይ ዝእሰሩ ሰባት ቁፅሪ ክቕንስ እየ ኢሉ


El Fiscal General de EE.UU., Eric Holder, informó que había ordenado investigar si el IRS violó alguna ley.
El Fiscal General de EE.UU., Eric Holder, informó que había ordenado investigar si el IRS violó alguna ley.
ምንስቴር ፍትሒ ዩናይትድ ስቴትስ ህውከት ዘይተሓወሶ ናይ ሓሽሽ ገበን ፈፂሞም ነዊሕ ናይ ዝእሰሩ ሰባት ቁፅሪ ንምንካይ ይትልም ከምዘሎ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኤሪክ ሆልደር ገሊፆም።

ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ካብ 1980ታት ጀሚሩ ዝኾነ ይኹን ሰብ ናይ ሓሽሽ ገበን እንተፈፂሙ ነዊሕ ማእሰርቲ ይፅበዮ ብመሰረት ሕጊ ዩናይትድ ስቴትስ።ማሕበር ሰብ ሙያ ሕጊ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ትማሊ ሰኒ ኣብ ዘሰላሰሎ ኣኼባ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ዩናይትድ ስቴትስ ኤሪክ ሆልደር ገበን ሓሽሽ ዝፈፀሙ ትሕቲ ዕደመ ቀንዲ ኣዛወርቲ ሓሽሽ ብዝኽሰስዎ ዓይነት ገበናት ንኸይኽሰሱ ዓቀብቲ ሕጊ ንኸረጋግፁ ምእዛዞም ሓቢሮም።

ኣብ ከይዲ ገበናዊ ፍርዲ ዝርአዩ ኣብ ዘርኢ ዝምስረቱ ፍርድታት ንምፍታሕ መፍትሒ ሓሳባት ንኸውፅኡ ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ንዝርከቡ ዓቀብቲ ሕጊ እውብ ኣዚዞም እቶም ዋና ዓቃቢ ሕጊ። ’’ እዚ ዘይቕቡል ጥራሕ ከይኮነስ ዘሕፍር እውን እዩ።ንዓባይ ሃገርና ዘይጠቅም እዩ፤ንዝፀንሐ ዓብይ ናይ ሕጊ ታሪኽና እውን ዘይረብሕ እዩ።’’

ኣብ ናይ ሓሽሽ ገበን ንዝሳተፍ ሰብ ይውሃብ ዝነበረ ዘይተርፍ ማእሰርቲ ተዓፃፃፋይነት ስለዘይብሉ ንብዙሓት ሰባት ንነዊሕ እዋን ኣብ ማእሰርቲ ዝዳጉን እዩ ክብሉ ሰባት ክንቀፉ ፀኒሖም እዮም።
ንመስርሕ ፍርዲ ካብ ምልዋጥ ብተወሳኺ ኣብ ክንዲ ማእሰርቲ ሕክምናን ኣብ ማሕበረሰብ ኣገልግሎት ምሃብን ሓዊሱ ከም መፍትሒ ክኽተሉ ኣተባቢዖም ሆልደር።

ኣብ ናይ መንግስቲ ጉዳያት ምኽሪ ዝሰርሓ ሞሊ ጊል እቶም ዋና ዓቃቢ ሕጊ ዘስምዕዎ መደረ ቅድም ክብል ክዝረብ ዝነበሮ እዩ ይብላ።

ናይ ሓሽሽ ገበን ዝፈፀመ ሰብ ናይ ግድን ክእሰሮ ዝግባእ ማእሰርቲ ኣብ ጎነፃዊ ገበናት ዘይተሳተፈ እንተኾይኑ ክተርፍ ምግባር ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝጠፍእ ገንዘብ ከምዘቃልልን ፀጋታት እታ ሃገር ገበናት ንኸይፍፀሙ ንዝከላኸሉ ፕሮግራማት ከምዝሕግዝን ገሊፀን።
ነቲ ሕጊ ብምምሕያሽ ንዩናይትድ ስቴትስ ቢሊዮናት ዶላር ካብ ምውፃእ ከምዘድሕና ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኤሪክ ሆልደር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሓቢሮም ኣለው።
XS
SM
MD
LG