ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣሜሪካ ኣብ ጂቡቲ


ሰብ ኣልቦ ነፋሪት
ሰብ ኣልቦ ነፋሪት
ኣሜሪካ ኣብ ጂቡቲ ካብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መደብር ትፍፅሞ ወፍሪ ፀረ ግብረ-ሸበራ ከምዘሐየለት፣ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ኣፍሊጡ።

እታ ጋዜጣ ኣብ ፅሑፋ፣ዘይፍለጣ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ፣ኣብ መዓልቲ ክሳብ ፲፮ ጊዜ ከምዝዓልባን ከምዝብገሳን ኣብ የመንን ሶማልያን ልእኽቶ ፈፂመን ናብ ጂቡቲ ከምዝምለሳን ሓቢራ።

ክሳብ ፫ ሚእቲ መኮንናት፣ካብ ካምፕ ሌሞንየር ዘሎ ሓያል ሓለዋ ዝግበረሉ ማእከል ኮይኖም ነቲ ወፍሪ ከምዘዋድዱ‘ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።

ኣሜሪካ ኣቅድም ኣቢላ፣ካብ‘ቲ ኣብ ኢትዮዽያን ስሽልስን ዝርከብ መደብራት፣ንሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ትጥቀም ከምዝፀንሐት ዝዝከር‘ዩ።

ምንስቴር መከላኸሊ ኣሜሪካ፣ነቲ ኣብ ጂቡቲ ዘሎ መደብር ንምጥንኻር 1.4 ቢልዮን ዶላር ከምዝምድብ‘ውን እታ ጋዜጣ ጠቂሳ።

ብዘይካ‘ዚ፣F-15 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ፣ካብ ጂቡቲ እናተበገሳ ኣብ የመን ኣንፃር ኣል-ቃይዳ መጥቃዕቲ ከምዝፍፅማ መንነቶም ከይግለፅ ዝደለዩ ክልተ ጡረተኛታት መኮንናት ኣሜሪካ ሓቢሮም‘ለው።
XS
SM
MD
LG