ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ ኣንጻር ግብረ-ሽበራዊያን ኣብ ተኻይዶ መጥቓዕቲ ሰብ- ኣልቦ ነፈርቲ ግሉጽነት ኽህልው ጻዊዒት ቐሪቡ


ድሕሪ መጥቓዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣሜሪካ ኣብ ፓኪስታን - ግንቦት 21, 2016
ድሕሪ መጥቓዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣሜሪካ ኣብ ፓኪስታን - ግንቦት 21, 2016

ኣብ ቐረባ መዓልታት ኣብ ፓኪስታን ካብ መራሒ ታሊባን ክሳብ ኣብ ሶማልያ ኣስታት 150 ኣባላት ኣል-ሸባብ ዝቐተለ መጥቓዕቲ፡ ኣሜሪካ ኣብ ትሕቲ ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ፡ ተካይዶ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣንጻር ግብረ-ሽበራዊያን ምውሳኹ ዘርእይ’ዩ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ ምምሕዳርታ ሃገር ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ከምዚ ዓይነት መጥቓዕቲ ቁጽሪ ዝሞቱ ወግዓዊ ክገብር ይዳለው ኣሎ። እቲ ንነዊሕ እዋን ብምስጥራዊነት ክስራሕ ዝጸንሐ ፕሮግራም ግልጹነት ክህልዎ ብዙሕ ትጽቢት ተነቢሩሎ።

ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ነዊሕ ጀሚሮም ኣብዚ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ዝዓለመ መጥቓዕትታት ቁጽሪ ዝሞቱ ብወግዒ ክግለጽ ክጽውዑ እንተጸንሑ’ካ ምምሕዳር ኣሜሪካ ግን ቁጽሪ ምውታት ንምግላጽ ኮነ ንምርግጋጽ ፍቃደኛ አይነበረን ።

ካብ ትካል ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሂማን ራይትስ ፈርስት ሪታ ሲሞን ብዛዕባቲ ኩነታት ከምዚ ይብላ።

ኣብዚ ጉዳይ ልዑል ዝኾነ መዓቀኒታትዩ ዘለና ስለዚ እመኑና። ዝኸአለና ኩሉ ንገብር ኣለና ማለት ጥራይ እኩል ኣይኮነን ። ስለዚ ዝሓሸ ሓበሬታ ብወግዒ ምግላጽ ይግብኦምዩ።

ምምሕዳር ፕረዝደንት ኦባማ ብወገኑ ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ኣብ ዝኸውን ሪፖርት ካብ 2009 .ም ጀሚሩ ብዘይካ ከም ኣብ ዒራቕ፡ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ዝበለ ተጻባኢ ከባቢታት ወጻኢ ብመጥቓዕትታት ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣሜሪካ ቁጽሪ ዝሞቱ ተዋጋእትን ሰላማዊ ሰባት ከምዝገልጽ ሓቢሩሎ።

ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ጆን ኤርነስት ብወገኖም ብዛዕባቲ ወግዓዊ ዝኸውን ሪፖርት ከምዚ ይብሉ።

ይፍጸም ከምዝነበረ’ኳ ብወግዒ ኣፍልጦ ንህብ ኣይነበርናን። ሕጂ እቲ ዝኸናወን ነገራት ብስሩዕ ወግዓዊ ምግባርናን ቁጽሪን ንጽልዋዞም ስርሒታትን ውጺኢቶምን ምግላጽና ብጭቡጥ ናብ ግሉጽነት ንስጉም ምህላውና ዝርኢ’ዩ።

ካብ ትካል ሁማን ራይስትስ ፈርስት ዝኾና ሚስ ሲሞኒ ግን ቁጽሪ ጉዱኣት ጥራይ ምግላጽ እኹል ከምዘይኾነ እቲ ምምሕዳር ክንደይ ተዋጋእቲ ፡ ክውን ስግኣት፡ ተክእሎ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣትው ዝክእሉን ፖሊሲ ዝቅጽል መጥቃዕትታት ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዘሎ ምስጥራውነት ዝኣመስሉውን ኣብቲ ሪፖርት ክጠቓለሉ ኣለዎም ይብላ።

ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኩሉቲ ምምሕዳር ዝቐመጦ መዓቀኒ ፡ ገደብ ኣብ ጽሑፍ ክሰፍር አለዎ ምኽንያቱ ፕረዝደንት ኦባማ ካብ መዝነቶም ኣብ ዝሓድግሉ እዋን መወዳእታ ዘይብሉ ኩናት ሓዲጎም ንከይኸዱኢለን።

ተንተንቲ ብወገኖም ኣብ መጻኢ ብድሆታት ክህልዉ’ዮም እዚ መጥቓዕትታት ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣሜሪካ’ውን ኣካል ፖሊሲ ጸረ-ሽብራ ኣሜሪካ ኮይኑ ክቅጽል’ዩ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG