ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ኣሜሪካ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ሶማል ኣብ ዘኻየዶ መጥቓዕቲ ልዕሊ 100 ዕጡቓት ኣል ሸባብ ቐቲሉ


ሰራዊት ኣሜሪካ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ሶማል ኣብ ዘኻየዶ መጥቓዕቲ ልዕሊ 100 ዕጡቓት ኣል ሸባብ ቐቲሉ ክብል ናይ ኣሜሪካ እዚ ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።

ትማሊ ሶሉስ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ካብ ሞቃዲሾ 200 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ክፍለ ግዝኣት በይ መሰልጠኒ ኣልሸባብ ዝርከብ መደበር ከምዝደብደበ ሰበ ስልጣን’ቲ እዚ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ኣፍሪኮም ሌተናል ኮማንደር ኣንቶኒ ፍላቭዮ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ዕጡቓት ከምዝኾኑ ብግልጺ ርኢና ኢና ኢሎም ኣለው። እቲ መጥቓዕቲ ምስ መንግስቲ ሶማል ብምትሕብባር ዝተኻየደ ምኳኑን ዕላምኡ’ውን ሶማል ኣብ ግዝኣታ ዘለው ስግኣታት ንኸተወግድ ንምሕጋዝ ኣብ ዓለም ስግኣት ንዝኾኑ ዕርድታት ንምድምሳስ’ዩ ኢሎም።

ኣብዚ ዓመተ 2017 ኣሜሪካ ንዕርድታት ንምድምሳስ ኣብ ልዕሊ 30 መደበራት ኣል ሸባብ መጥቓዕቲ ፈጺማ፡ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ጥራይ ድማ ልዕሊ 6 ደብዳብ ኣኻይዳ’ላ።

XS
SM
MD
LG