ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት (Drone Aircraft) ካብ ኢትዮዽያ ናብ ሶማልያ ምውፋር ከምዝጀመረት ዝጠቀሰት ኣሜሪካ፣እቲ መደብ ምስ‘ቲ ሰራዊት ኬንያ ዝጀመሮ ወትሃደራዊ ወፍሪ ምትእስሳር የብሉን ትብል።
ወትሃደራዊ ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ፣ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ኣሜሪካ ካብ ደቡባዊ ኢትዮዽያ ናብ ሶማልያ ምልኣኽ ከምዝተጀመረ ኣፍልጦ ይህቡ።
ዕላማ‘ታ ነፋሪት፣መጥቃዕቲ ንምፍፃም ዘይኮነስ ስለያዊ ሓበሬታ ንምርካብ ምኻኑ‘ውን ተፈሊጡ‘ሎ።
ሌተናል ኮማንደር ጀምስ ስቶክማን ንቪኦኤ ኣብ ዝላኣኽዎ ፅሑፍ፣እቲ ካብ ኢትዮዽያ ዝብገስ መደብ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪትን፣ኬንያ ዝጀመረቶ ወትሃደራዊ ስርሒትን ዘተኣሳስሮ ነገር የብሉን ይብሉ።ብዘይካ‘ቶም ናይ ጂቡቲ፣ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ወትደራዊ መደብር የብላን።ኣብ ፕሮግራም ኢትዮዽያ ዝነጣጠፉ ሒደት መኮንናት ግና ኣለው ኢሎም።
ኬንያ ነቲ ብሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ዝእከብ ስለያዊ ሓበሬታ‘ዶ ትጥቀመሉ ኣላ? ንዝብል ሕቶ ወሃቢ-ቃል ሰራዊት ኬንያ ኢማኑኤል ቺርቺር ክምልሱ ከለው ”ሃገራት ኩሉ-ሻዕ ሓበሬታ ይለዋወጣ‘የን፣ሓድሽ ነገር የለን” ኢሎም።
ሓይልታት ኬንያ ናብ ኣል-ሸባብ ዝጥቀመላ ወደብ ኪስማዮ ኣብ ዝተፀገዐሉ እዋን፣ዕድመ’ቲ ስርሒት ንፁር ኣይኮነን ዘሎ።ወሃቢ-ቃል መንግስቲ ኬንያ ሚስተር ኣልፍረድ ሙቶኣ።
ንሶም ወሲኾም ”ካብ‘ቲ ዘድልየሉ ጊዜ ንላዕሊ ሓደ ሰዓት‘ውን እንተኾነ ኣብ ሶማልያ ናይ ምፅናሕ መደብ የብላን ኬንያ።ብመሰረት ሸቶ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን፣ ዕላማና ምስ ኣዓወትና፣ስራሕቲ ዕቀባ ሰላም ንሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን ሰራዊት ሶማልያን ኣረኪባ ክትወፅእ’ያ ኬንያ” ኢሎም።
እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ኣሚሶም፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኬንያ ተሰሊፉ ናይ ምውጋእ መደብ ከምዘይብሉ ወሃቢ-ቃል እቲ ሓይሊ ኣፍሊጡ‘ሎ።
ሚስተር ፓድይ ኣኩንዳ ኣብ ዘረብኡ፣ኬንያውያን ዘለዎም ፀጥታዊ ስክፍታ ይርዳኣና‘ዩ፣ግን ኣብ ደቡብ ሶማልያ ኣብ ዝጀመርዎ ወፍሪ ኣይንሳተፍን ኢሉ።እቲ ጉዳይ - ጉዳይ ኬንያን ሶማልያን‘ውን‘ዩ ይብል ንሱ።
ምስ ናይ ኬንያ ወፍሪ ዘራኽብ የብሉን'ውን ተባሂሉ