ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ አብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ደርቂ ናይ ህጹጽ እውን ሓገዝ ንምሃብ ቅርብቲ'የ ኢላ


ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኩነታት ኣየር ኤል ኒኖ ዝተፈጥረ ድርቂ ንዝተጠቕዑ ንምሕጋዝ ካብ እትልግሶ ናይ 97 ሚሊዮን ዶላር ህጹጽ ሓገዝ ብተወሳኺ ምስ ዝምዕብሉ ኩነታት ምላሽ ንምሃብ እውን ቅርብቲ እያ ኢለን ሓንቲ ላዕለዋይ ሓላፊት USIAD።

ኣብ USIAD ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ምግቢ ንሰላም ምብራቓዊ፣ ማእኸላይን ደቡባዊ ኣፍሪካን ራቸል ግራንት ኣብዝሃብኦ መግለጺ እቲ ሓገዝ ንተሓገዝቲ ዝውሃብ ብቐጥታ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከይኮነስ መንግስታዊ ብዘይኮኑ መሻርኽቲ ትካላት እዩ ኢለን።

ንሰን ብተወሳኺ 'ኣብ ኢትዮጵያ ኩነታት ዓጸቦ ክፍጠር እዩ ኢልና ኣይንጽበን።ሎሚ ኣብ ባይታ ዝርከቡ መሻርኽትና ጥራሕ ከይኮኑስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይወስዶ ብዘሎ ውጽኢታዊ ምላሽ ንሳቶምን ማሕበረሰብ ዓለምን ብዝግባእ ተዳሊዮምን ግብረ መልሲ ይህቡ እዮም ዘለው።ስለዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዓጸቦ ክፍጠር እዩ ኢልና ኣይንጽበን እየን' ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG