ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈደራላዊ መርመራ ገበን (FBI)፡ ኣብ ኣመሪካ ኰይኖም ንቻይና ዝስልዩ ዝበሎም ዜጋታት ይኣስር


ሓደ ካብ ክሱሳት ምስ ጠበቓኡ
ሓደ ካብ ክሱሳት ምስ ጠበቓኡ

ፈደራላዊ መርመራ ገበን ኣመሪካ (FBI) ኣብ ኒው-ዮርክ ብምቕማጥ ንምስጢራዊ ፖሊስ መንግስቲ ቻይና ይሰርሑ'ዮም ዝበሎም ክልተ ዜጋታት ብሰኑይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒሉ፣ ብዋሕስ ለቒቑ።

ከም ሓበሬታ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ እቶም ዜጋታት ቻይና ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት፡ ኣብ ኣመሪካ ንዝቕመጡን ቻይናውያን ንመንግስቶም ሓበሬታ ዝምግቡን ምስጢራዊ ናይ ስለያ ኣሃዱ ዝመርሑን’ዮም።

ኣኽባሪ ሕጊ ኒው-ዮርክ፡ እቶም ተደለይቲ ዜጋታት መርመራ ይካየደሎም ከም ዘሎ ምስ ፈለጡ፡ መረዳእታ ንምጥፋእ መዛግብቲ ከም ዘቃጸሉ ሓቢሩ።

መንግስቲ ቻይና፡ ወግዓውያን ዘይኰኑ፡ ኣብ በበይነን ሃገራት፡ ልዕሊ 100 ናይ ወጻኢ ናይ ስለያ ቤት ጽሕፈታት ከም ዘለዎ መዛግብቲ መርመራ ኣመሪካ ይጠቕሱ። እተን ሕቡኣት ኣብያተ-ጽሕፈት ኣብታ ሃገር ንዝነበሩ ዜጋታት ቻይና ስለያዊ ሓበሬታ ንበይጂንግ ዝምግባን እቶም ዝድለዩ ሰባት ስጕምቲ ንኽውሰዶም ባይታ ዘጣጥሓን’የን።

ኣኽባር ሕጊ ኣመሪካ፡ ብሰለያዊ ስራሓት፡ 40 ቻይናውያን ክሲ ይምስርተሎም ከም ዘሎ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG