ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራሕተኛታት ወደብ ኣመሪካ ኣድማ የካይዱ


ሰራሕተኛታት ወደብ ኣብ ኒው-ጀርሲ
ሰራሕተኛታት ወደብ ኣብ ኒው-ጀርሲ

ኣብ ኣመሪካ ካብ ግዝኣታት መይን ክሳብ ቴክሳስ ኣብ ዝዝርጋሕ ወደባት ዘሎ መዐሸጊ መራኽብ ዝሰርሑ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ ኣድማ የካይዱ ኣለው።

እቶም ኣስታት 45-ሽሕ ዝግመቱ ሰራሕተኛታት ምጽዓንን ምርጋፍን መራኽብ፡ ኣብ ደሞዞም ምምሕያሽ ክግበር ከምኡ ድማ `ኣውቶመሽን` ማለት ብኣውቶማቲክ ዝግበር ምርጋፍ ጽዕነት መራኽብ: ንናብራናን ስድራቤትናን ስለዝጎድእ ክትግበር የብሉን ብዝብል'ዮም ኣብ ኣፍደገ ስርሖም ኣድማታት ዘካይዱ ዘለዉ።

ኣብ መንጎ ሓለፍቲ ወደባትን ዓለም-ለኻዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ማሪታይም ዝተኣትወ ኮንትራት ሎሚ ለይቲ ዝወደቐ ክኸውን ከሎ ኣብ ስምምዕ እንተዘይተበጺሑ ዝቕባበ ገንዘብን ሕጽረት ኣቑሑትን ከየጋጥም ዓቢይ ስግኣት ፈጢሩ`ሎ።

እቲ ኣድማ ን36 ወደባት ዝጸለወ ኮይኑ፡ ነተን ወደባት ዝውክል ማሪታይም ኣላያንስ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብዛዕባ ደሞዝ ዝምልከት ኣብ ገለ ስምምዕ ተበጺሑ'ኳ እንተነበረ፡ ሎሚ ንግሆ እንደገና ኣብ ኣፍደገ ወደባት ኣድማ ምውልዑ ኣብ ስምምዕ ከምዘይተበጽሐ ዘርኢዩ ኢሉ። እዚ ንፍርቂ ምርጋፍ ጽዕነት መራኽብ ኣመሪካ ተንኪፉ ዘሎ ኣድማ፡ ብዕብየቱ ኣብ ውሽጢ 50 ዓመታት ካብ ዝተራእየ ዝዓበዩ'ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG