ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርከብ ኵናት ኣመሪካ ንሚሳይላትን ድሮንን ሑቲ ወቒዓ ምውዳቓ ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

መርከብ ኵናት ኣመሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ናይ የመን ዕጡቓት ሑቲ ዝተተኮሳ ሚሳይላትን ድሮንን ወቒዓ ከም ዘውደቐት ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ እቲ መጥቃዕቲ ሑቲ ሎሚ ረቡዕ`ውን ቀጺሉ ከም ዝነበረ ኣሶሼይትድ ፕረስ ይሕብር።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ እቲ ትማሊ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሑቲ ንሓንቲ ዩ፡ኤስ፡ኤስ ካርኒ ዝተባህለት ደምሳሲት መርከብ ኵናት ኣመሪካ ዒላማ ዝገበረ`ዩ ኔሩ ይብል።

እታ መርከብ ኵናት ኣብቲ ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ትሳተፍ ዘላ ምዃና`ውን ተጠቒሱ`ሎ። ናብኣ ዝተተኮሰ ኣጽዋራት ሑቲ፡ ነታጕ ዝድርብያ ድሮናትን ጸረ-መርከብ ሚሳይላትን ዘጠቓለለ ምንባሩ እቲ ዜና ይጠቅስ። ድሕሪኡ ነፈርቲ ኵናት ኣመሪካ፡ ደብዳባት ብምክያድ ንሰለስተ ጸረ-መርከብ ሚሳይላትን ሰለስተ ቦምብ ዝሸከማ ድሮናትን ከም ዘዕነዋ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ሎሚ ረቡዕ`ውን ዕጡቓት ሑቲ ካልእ መጥቃዕቲ ምክያዶም ኣይተረፈን።

ወሃቢ ቓል ሑቲ ብሪጋደር ጀነራል ያሕያ ሳሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ከም ዝተኻየደ ድሕሪ ምእማን እንተኾነ መጥቃዕቲ ሑቲ ንክልተ መራኽብ ኣመሪካ ዝዓለመ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝካየድ ዘሎ ዕጽዋን ወራርን ደው ክሳብ ዝብል መጥቃዕትታትና ኣይክነቋርጽን ኢና ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኢራን ዝሓለፈ ዓመት ዝሓዘታ፡ ዋጋ ናይ 50-ሚልየን ዶላር ካርጎ ነዳዲ ጽዒና ዝነበረት ናይ ኩወት መርከብ፡ ከም ዝወረሰታ፡ ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጣ።

እታ መርከብ ንናይ ኣመሪካ ኩባንያ ጸዓት ቸቭሮን ነዳዲ ተመላልስ ዝነበረት ክትከውን ከላ፡ ኣብ ማያታ ከም ዝሓዘታ ኢራን ክትገልጽ ጸኒሓ`ላ፡ እዚ ድማ ቅድሚ መጥቃዕቲ ሑቲ ምጅማሩ`ዩ።

ሕጂ ድሕሪ`ቲ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሑቲ ዝካየድ ደብዳብ ነፈርቲ`ውን ካልእ መጥቃዕትታት ናይ ምክያድ ዓቕሞም ገና ዘሎ ይመስል። ዝሓለፈ ወርሒ ዝሃረምዋ ሩቢማር ዝተባህለት ዘመናዊ ድኹዒ ጽዒና ዝነበረት ናይ እንግሊዝ መርከብ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ምጥሓላ ይዝከር።

እቶም ናይ የመን ዕጡቓት ሑቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሮም፡ ብመስመር ቀይሕ ባሕሪ ንዝሓልፋ መራኽብ ከጥቅዕወን ጸኒሖም ኣለዉ። ኣብቲ መጥቃዕቶም ናይታ ደጋፊቶም ትብሃል መርከብን ረድኤት ክተብጽሕ ናብኦም ትመጽእ ዝነበረት መርከብን ከይተረፋ ግዳያት መጥቃዕቶም ከም ዝኾና ኣሶሸይትድ ፕረስ ጠቒሱ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG