ዋሽንግተን —
ንዶባት ኣመሪካ ክከታተል ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝተመዘዘ ቶም ሆማን ሕጋዊ ወረቐት ዘይብሎምን ስግኣት ጸጥታን ዝኾኑን ሰባት ካብ ሃገር ምጥራዝ ቀዳምነት`ቲ ምምሕዳር ምዃኑ ተዛሪቡ። ብሓፈሽኡ ግን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብዛ ሃገር ክነብሩ ዘይምዃኖም ኣስሚርሉ`ሎ።
ምምሕዳር ትራምፕ ድሮ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣደተኛታት ክጥርዝ ጀሚሩ`ሎ። እዚኣቶም ኣብ ኣመሪካ ብዘይፍቓድ ዝጸንሑ ኮይኖም ገበናዊ መዝገብ`ውን ዝጸንሖም ምዃኖም'ዩ ዝግለጽ ዘሎ ተገሊጹ'ሎ።
እንተኾነ እቲ ምጥራዝ ኣብቶም ገበን ዘለዎም ጥራሕ ከም ዘይሕጸር ሓላፊ ምክትታትል ዶባት ቶም ሆማን ወሲኹ ይገልጽ።
ቅጥዒ