ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓበሬታ ኣባላት ኣል-ሸባብ ንዝህቡ ሽልማት ተዳልዩ!


ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ
ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ
ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ፣ሃለዋት ሰለስተ ኣባላት ኣል-ሸባብ ሓበሬታ ንዝለገሰ ሰብ ሽልማት ቀሪቡ‘ሎ።

እቲ ቤት ዕዮ ንተደለይቲ ዓብዲቃድር መሓመድ ኣብዲቃድር፣ጃዕፋርን ያሲን ቂልዊን ዝምልከት ሓበሬታ ንዝሃበ/ቡ ሰብ/ሰባት ክሳብ ሰለስተ ሚልዮን ዶላር ሽልማት ክህብ‘ዩ።

ዓብዲቃድር ገለ እዋን ኢቅሪማ‘ውን ዝባሃል ማለት‘ዩ፣ካብ ሶማልያ ዝሞቦቅሎም ቤተ-ሰብ ብ1979 ዓም ኣብ ኬንያ‘ዩ ተወሊዱ።ምእኹል ንውሓት ፀጉሪን ጫሓምን‘ዩ።ሰለስተ ኣፃብዕቲ ፀጋማይ ኢዱ የለዋን።ንሱ ንመናእሰይ ኬንያ ናብ ኣል-ሸባብ ዝምልምል ሰብ ምኳኑ‘ውን ይፍለጥ።

ጃዕፋር ወይ ኣማር እናተባሃለ ዝፅዋዕ ሰብ ብወገኑ ምክትል ኢቅሪማን መሳለጢ ኣል-ሸባብን‘ዩ።ሓንቲ ዓይኑ‘ውን ዝጠፍአቶ ሰብ‘ዩ።

ሳልሳይ ተደላዪ ያሲን ቂልዊ ኣብ ፑንትላንድ ሰሜናዊ ሶማልያ ኣሚር ኣል-ሸባብ‘ዩ።ቂልዊ ብኣሚር ኣል-ሸባብ ኣሕመድ ዓብዲ ኣው-ጎዳኔ ኣሚር‘ቲ ከባቢ ንክኸውን ዝተመዘዘ‘ውን‘ዩ።ቅድሚ ክልተ ዓመት ንመሻርኽቲ ኣል-ቃይዳ ዝኾነ ኣል-ሸባብ ተኣማንነቱ ዝገለፀ ሰብ‘ውን‘ዩ።

ብዛዕባ‘ዞም ዝተጠቅሱ ሰለስተ ሰባት ተወሳኲ ሓበሬታ እንተደሊኹም፣ኣብ መርበብ ሓበሬታ www.rewardsforjustice.net ተወከሱ።ሓበሬታ ንምሃብ ድማ ‘ሽልማት ንፍትሒ ኣብ መርበብ ሓበሬታ’ ኢሜይል RFJ@state.gov ወይካኣ ብቁፅሪ ቴሌፎን 800-877-3927 ደውሉ።ወይ ብኣድራሻ Washington, D.C. 20520-0303, USA ፃሓፉ።
XS
SM
MD
LG