ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ ፕረዝደንታዊ ሕጹያት ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ብርቱዕ ክትዕ ኣካይዶም


ክልተ ፕሬዝዳንታዊ ሕጹያት ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ዩናይትድ ስቴትስ ትማሊ ምሸት ብርቱዕ ክትዕ ኣካይዶም።ኣብ ዝተፈላለዩ ፖሊስታት’ውን ተራጺሞም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ሂላሪ ክሊንተንን ሰነተር ክፍለ ግዝኣት ቬርሞንት በርኒ ሳንደርስን ማእኸላይ እቶት ንዘለዎም ኣሜሪካዊያን ንምሕጋዝ ከምኡ እውን ሃብታማት ብዛዕባ ዝህልዎም ጽልዋን ተጋጪዮም ኣለው።

ሂላሪ ክሊንተን ምስ ናይ ዎልስትሪት ሃብታም ነጋዶ ርክብ ኣለወን ተባሂለን ይኽሰሳ። ብዛዕባ’ዚ ንሰን ከምዚ ክብላ መልሲ ሂበን ኣለዋ።

'ክትብሎ ትደልዮ እንተሃሊዩካ ብቐጥታ ተዛረቦ። ናይ ገንዘብ ሓገዝ ስለ ዝተቐበልኩ ርእይቶይ ቀይረ ወይድማ ድምጺ ዝሃብኩሉ ዋላ ሓደ ነገር ክትረኸበለይ ኣይትኽእልን ኢኻ።ንዝወከለኒ ከባቢ ክንድዝክኣለኒ ንምስራሕ ደው ኢለ ኣለኹ።ከምኡ ምስርሐይ ዝለዓለ ኩርዓት ይስምዓኒ።ካብ ቀረባ ሰሙናት ጀሚርካ ኣብ ልዕለይ ተካይዶ ዘለኻ ጠቐነ ደው ክተብሎ እዋኑ በጺሑ’ሎ።ኣብ ዛዕባታት ትኹረት ገይርና ንዘራረብ።’

ብዛዕባ ጉዳያት ወጻኢ ዘልዓሉ ሳንደርስ ሂላሪ ክሊንተን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝበለጸ ተመኩሮ ከምዘለዎም እንተኣመኑ’ዃ ኣብ ሚዛናውነተን ግን ሕቶ ኣለዒሎም።

‘ተመክሮ በይኑ እኹል ኣይኮነን፤እቲ ቀንዲ ነገር ኣመዛዚንካ ውሳነ ምሃብ’ዩ። ምስ ፕረዝደንት ኦባማ ክትወዳደሪ ከለኺ ተመኩሮ ወይ ብስለት የብሉን ኢልኪ ተቓሊስክዮ ነይርኺ፤ምኽንያቱ ምስ ጸላእትና ክንዘራረብ ኣለና ስለዝበለ።ምስዞም ሰባት እዚኦም ኢኺ ክትዘራረቢ፣ክትላዘቢ ዘለኪ።'

ብመሰረት ዝተኣከበ ኣሃዛዊ መዕቀኒ ርእይቶ ህዝቢ ዝቕጽል ሶኑይ ኣብ ኒው ሃምሸር ኣብ ዝካየድ መባእታዊ ምርጫ ሳንደርስ ብ16 ነጥቢ ንሂላሪ ይመርሑወን ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣሜሪካ፡ ፕረዝደንታዊ ህጹያት ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ብርቱዕ ክትዕ ኣካይዶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:02 0:00

XS
SM
MD
LG