ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ኣብ ታይዋን ምብጻሕ የካይዱ


ካብ ክልቲኡ ፓርቲታት ዝተወከሉ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ሎሚ ሰኑይ ምስ ሓድሽ ዝተመርጹ ፕረዚደንት ታይዋን ኣብ ታይፐይ-ታይዋን ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም።

ኣባልቲ’ቲ ልኡኽ ኣመሪካ ንታይዋን ዘለዎም ሓይል ደገፍ ደጊሞም ኣረጋጊጾም ኣለው።

ኣብቲ ርክብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 20 ግንቦት መዝነት ዝሓዙ ፕረዚደንት ታይ ኢን ዌን ኣብ ምክልኻል ታይዋን ለውጢ ንምትእትታው ከምዝደፍኡ ብምግላጽ ህዝቢ ታይዋን ሃገሩ ንምክልካል ዘለዎ ቆራጽነት ንዓለም ከምዝርእዩ ሓቢሮም ኣለው።

ንሶም ወሲኾም ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ታይዋን ንገዛእ ርእሳ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ኣብ ምሕያልን ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባርን ምልውዋጥን ንምውሳኽ ድማ በበይኖም ሓገግቲ ውሳነታት ከሕልፍ ጸዊዖም።

እዚ ምብጻሕ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ናብ ታይዋን ቻይና ናይ ክልተ መዓልታት ገዚፍ ወታሃደራዊ ምንቅስቃስ ኣብ ከባቢ ታይዋን ድሕሪ ምኽያዳ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ’ዩ።

ሓደ ካብ ኣባላት’ቲ ልኡኽ ዝኾነ ኮንግረስማን ማይክል ካውል ንታይዋን ንዝወሃብ ኣጽዋር ኣብ ምብጻሕ ንሰርሕ ኢና ዘለና ግን ኸአ ቅልጡፍ ኮይኑ ክካየድ ክረእይ ይደልይ ክብል ካብ ታይዋን ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንወጻኢ ሃገራት ዝውዕል 95 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ምጽዳቑ ይዝከር። ካብዚ እቲ 8 ቢልዮን ንዞባ ኢንዶ -ፓሲፊክን ታይዋንን ዝውዕል’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG