ኣመሪካ ዝመርሓቶ ጥምረት፡ ንምንቅስቓስ መራኽብ ቀይሕ-ባሕሪ ንምሕላው ናይ ምክልኻል ኣሃዱ የቝም ኣሎ። ኣብ ባሕሬን ዝርከብ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን’ዩ ብዛዕባ ምስረታ እዚ ፍሉይ ሓይሊ ሎሚ ወግዓዊ ገይሩ። እዚ “ሓለዋ ዕብየት” ተሰይሙ ዘሎ ልፍታዊ ሓይሊ ምክልኻል፡ ብቐንዱ ነቲ ካብ የመን ንዝመጽእ ዘሎ መጥቃዕታት ንምብርዓን ዝዓለመ’ዩ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሮን ድሕሪ ምግባሮም፡ ብባኤል-መንደብ ዝሓልፋ መራኽብ ንግዲ፡ ጸጥታ እቲ ከባቢ ክሳብ ዝሕሎ ብእኡ ከም ዘይሓልፋ ድሕሪ ምጥንቃቐን’ዩ።
እዚ መስመር በበይኑ መጥቃዕቲታት ክወርዶ ምጽናሑ ዝዝከር ኰይኑ፡ ትማሊ ሰኑይ’ውን ካብ የመን ዝተተኰሰ ድሮንን ባልሲቲክ ሚሳይልን ምንባሩ ማእከል እዚ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ንምቛም እቲ ፍሉይ ሓይሊ ምክልኻል ሎሚ ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሉ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን፡ ኣብቲ መስመር ኣስታት 400 መራኽብ ከም ዘለዋ ኣመልኪቱ። በዚ ሓድሽ ኣገባብ፡ እተን መራኽብ ነቲ መስመር ክሳብ ዝሓልፋ ክዕጀባ ኣይኰናን። እንተዀነ ኣብቲ ተነቃፊ ዝብሃል መላግቦ ብምዕሻግ ንድሕነት እተን ዝመላለሳ መራኸብ ከውሕሳ’የን።
ወሃብ-ቃል ዕጡቓት ሑቲን ላዕለዋይ ተዛታዪ ኣካል እቲ ጉጅለን ዝዀነ መሕመድ ዓብደል-ሰላም፡ ነቲ ተበግሶ ብምዅናን፡ “እዚ ኣመሪካ ንእስራኤል ንምክልኻል እትገብሮ ዘላ’ዩ፡” ብምባል ንመደባት ስራሖም ከም ዘይዕንቅጾ ገሊጹ።
እንግሊዝ፡ ባሕሬን፡ ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ኢጣልያ፡ ኔዘርላንድስ፡ ኖርወይ፡ ሲሽለስን ስጳኛን ኣካል’ዚ ሕብረት ኰይነን ምህላወን ሎይድ ኦስቲን ጠቒሱ ኣሎ። ገለ ካብዘን ሃገራት ኣብ ምውሓስ ጸጥታን ብኣካል ኣብ ዝግበር ስራሓትን ክሳተፋ’የን። ካልኦት ድማ ነቲ ሕብረት ዝኸውን ሓበሬታ ኣብ ምምጋብ ክሰርሓ ምዃነን ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣስፊሩ ኣሎ።
ቻይና ኣብዚ መስመር ዓቢ ተገዳስነት እኳ እንተለዋ፡ ኣብዚ ሕብረት ግን ኣይተጸንበረትን።
ካልኦት ኣብዚ ሕብረት ዝኣተዋ ሃገራት’ውን ንድሕነትን ስመን ክዕቅባ ከም ዝሓተታ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ኣካላት ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሮም።
እዚ ዝቐውም ዘሎ ሓድሽ ሓይሊ፡ በቲ ኣቐዲሙ ኣብ ሓለዋ እቲ ከባቢ ዝቖመ ሕብረት’ዩ ድሕነቱ ክሕሎ። እዚ ኣብ 2022 ዝቖመ ሓይሊ ዕማም ንማያዊ ጸጥታ ቀይሕ-ባሕሪ፡ ባብኤል መንደብን ወሽመጥ ዓደንን ንምክትታል ዝቖመ’ዩ ነይሩ።
ኣመሪካ፡ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ጉዳይ ስጉምቲ ክወስድ ክትሓትት ጸኒሓ’ያ። ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ናብቲ ሕብረት ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ፡ ብመስመር ቀይሕ-ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ንግዲ ግዳያት ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሑቲ ይዀና ስለ ዘለዋ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ጉዳይ ምትእትታው ክገብር ጸዊዓ ኣላ።
ኣብ ባይቶ ጸጥታ ዝርከባ 15 ኣባላት ሃገራት’ውን ትማሊ ሰኑይ ነዚ ጉዳይ ኣብ ዕጹው ማዕዶ ዘትዩሉ ኣሎ። ኣመሪካ ኣብ ወሽመጥ ባብ-ኤል መንደብ ክልተ መራኽብ ኲናት ኣንቀሳቒሳ ኣላ። ዕላማአን ነቲ ካብ ዕጡቓት ሑቲ ክወርድ ዝኽእል መጥቃዕቲ ንምክልኻል’ዩ።
ኣገዳስነት እዚ ናይ ምክልኻል ሓይሊ ዝዓዝዝ ዘሎ ካብ 3 ታሕሳስ ኣትሒዞም ዕጡቓት ሑቲ ንሰለስተ መራኽብ ንግዲ ዒላማ ድሕሪ ምግባሮም’ዩ። እቲ ብድሮን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ እንኮላይ ናብ መራኽብ ኣመሪካ ዝቐንዐ’ዩ ነይሩ። ኣመሪካ ዛጊት ግብረ-መልሲ ኣይሃበትን። ትማሊ ሰኑይ፡ ኣመሪካ ንዕጡቓት ሑቲ ግብረ-መልሳዊ መጥቃዕቲ ክትህብ እንተዀይና ዝተሓተተ ሚኒስተር ምክልኻል ሎይድ ኦስቲን ምላሽ ኣይሃበን።
ቅጥዒ