ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንስቴር ምክልኻል ዩናይትድ ስቴትስ - ዓብዪ ምንካይ በጀት ወጢኑ


Defense Secretary Chuck Hagel
Defense Secretary Chuck Hagel
ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ምክልኻል ቻክ ሄግል ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዝተብሃለሉ ውጥን ምንካይ በጀት ዕላዊ ገይሮም።

ምምሕዳር ኦባማ ብዛዕባ ኣድላይነት ብመጠን ዝውሓደ ግን ድማ ቅፅበታዊ ምላሽ ዝህብ ሓይሊ ንዓመታት ክዛረብ ፀኒሑ እዩ።ምንስቴር ምክልኻል ቻክ ሄግል ነዚ ዘንፀባርቕ ናይ በጀት ምደባ ትማሊ ሰኒ ዕላዊ ገይሮም ኣለው።

እቲ ሓቂ ምግሃድ እዋኑ ሎሚ ምዃኑ ዝገለፁ ንሶም ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኵናት ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ኣብ ዝነበረትሉ ካብ ዝነበራ 700 ቢሊዮን ዶላር ዝፅጋዕ በጀት ናብ 496 ቢሊዮን ዶላር ንምውራድ እዋኑ ሊሚ እዩ ኢሎም።ኣስዒቦም ‘’ምንስቴር ምክልኻ ካብቲ ኣብ ናይ ሃገርና ታሪኽ ዝነውሐ ግጭት፣ናይ 13 ዓመታት ኵናት፡ምስግጋር ይገብር ምህላው ምሉእ ብምሉእ ዘንፀባርቕ ፈላማይ በጀት እዩ’’ኢሎም።

እንተኾነ እቲ ምንካይ በጀት ፔንታጎን ቅድሚ እቶም ክልተ ግጭትታት ካብዝነበሮ በጀት እውን ዝወሓደ እዩ።

ንናይ ሶቪየት ታንክታት ንምዕናው ተባሂለን ዝተሰርሓ ኣብ እዋን ዝሑል ኵናት ኣገልግሎት ይህባ ዝነበራ A-10 ነፈርቲ ውግእ ደጊም ኣገልግሎ ኣይህባን፤ድሕሪ መጥቓዕቲ ሽበራ 11 መስከረም 570 ሽሕ በፂሑ ዝነበረ ኣርሚ ብዝብል ዝፅዋዕ ቁፅሪ ወታደር ካብ 440 ሽሕ ክሳብ 450 ሽሕ ክወርድ ዝብሉ ይርከብዎም።በዝሒ ወታደር ካብ 1940 ኣ/ፈ ናብዚ እቲ ዝነኣሰ ክኸውን እዩ።

ጎኒ ንጎኒ ድማ ኢሎም ሄግል ንሪፓርተራት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ፔንታጎን ጠመትኡ ናብ ዞባ ኢሲያ-ፓስፊክ፣ምድንፋዕ ስርሒታት ፍሉይ ሓይልታትን ምክልኻል ሳይበርን ንምዛር ድልየት ኣለዎ ኢሎም።ከምዚ ንገብር ዘለና ድልውነትናን ናይ ቴክኖሎጂ ልዕልነትናን ብዘላቕነት ንምርግጋፅ እዩ እውም ኢሎም።

ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ሓደ እዋን ክልተ ኵናታት ንምግጣም ዘኽእላ ትሕዝቶ ክልዋ ኣለዋ ክብሉ ገለ ጀነራላት ንናይ ሄግል ሓሳብ ይቃወሙዎ።

እቲ ዝቐረበ ናይ በጀት ምንካይ ትልሚ ብኮንግረስ ክፀድቕ ኣለዎ።ክንድዚ ዝኣክል ምንካይ ከም ቻይና ካብ ዝኣመሰሉ ተነሓናሕቲ ንዝመፅእ ስግኣት፣ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ፣ኣፍሪካን ደቡብ ኢሲያን ይቕፅል ካብ ዘሎ ኣንፃር ኣኽረርቲ ኵናት ኣብ ግምት ብምእታው ዩናይትድ ስቴትስ ድኹም ወታደራዊ ቕርፂ ክህልዋ ዝገብር እዩ ኢሎም ካብዝከራኸሩ ብርቱዕ ተቓውሞ ከጋጥሞም እዩ ምንስቴር ምክልኻል ቻክ ሄግል።
XS
SM
MD
LG