ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንወሰኽ ልቓሕ መንግስቲ ኣመሪካ ዝምልከት ዝርርብ ተስፋ ከም ዘለዎ ፕረ. ባይደን ይሕብሩ


ፕረዚደንት ባይደን ንልቓሕ ዝምልከት ምስ ክልተ ኣባላት ኮንግረስን ወሃቢ ቃልን ኣብ ዝተራኸብሉ ዝተወስደ
ፕረዚደንት ባይደን ንልቓሕ ዝምልከት ምስ ክልተ ኣባላት ኮንግረስን ወሃቢ ቃልን ኣብ ዝተራኸብሉ ዝተወስደ

ፕረዚደትን ጆ ባይደን ነቲ ንምውሳኽ ልቓሕ መንግስቲ ኣመሪካ ኣመልኪቱ ኣብ መንጎ ክልተ ሰልፍታት ተፈጢሩ ንዘሎ ምትፍናን ንምፍታሕ ምስ መቀናቕንቶም ኣባላት ጉባኤ ክዛረቡ ምዃኖም ገሊጾም።

እቶም ፕረዚደንት ምስ ኣርባዕተ ኣባላት ሰልፊ ንምዝርራብ ሎሚ ሰሉስ መደብ ከም ዘሎ ጠቒሶም።

ፕረዚደንት ባይደን ብኽልቲኦም ሰልፍታት ነቲ ጉዳይ መዓልቦ ንምግባር ድሌት ከም ዘሎ ሓቢሮም። ኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲ ግን ትስፉው ምዕባለ ኣይተራእዮን ኢሎም። እቶም ኣፈ-ጉባኤ፡ እቲ ዘሎ ምትፍናን ነታ ሃገር ናብ ቅልውላው ከይመርሓ ዘለዎም ስክፍታ’ውን ገሊጾም ኣለው።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሃገራዊ ዕዳ ኣመሪካ 31.4 ትሪልዮን ዶላር ምዃኑ’ዩ ዝንገር። ንመጠን ዕዳ ምውሳኽ ድማ ንጉባኤ ኣየኽእሎን’ዩ።

ክፍሊ ትረጀሪ፡ ኵሉ ተኽእሎታት ተጠቒሙ፡ ክሳብ 1 ሰነ ሕሳባት መንግስቲ ክኸፍል ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG