ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ንደረት ልቃሕ'ታ ሃገር ዝምልከት ውጥን ኣሕሊፉ


ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ደረት ልቃሕ መንግስቲ ክሳብ መጀመርታ 2025 ክጸንሕ ዘኽእል ሕጊ ኣፅዲቑ።

እዚ ውሳነ ኣመሪካ ዕዳኣ ትኸፍለሉ እትክእል ገንዘብ ክትውድእ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ዝተረፎ እዋን ዝሓለፈ ምኳኑ ኣብ ዋሽንግተን ንዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትሕልላኽ ደው ንምባል ዝሕግዝ እዩ ተባሂሉ'ሎ። እዚ ትማሊ ረቡዕ ኣማስይዩ ብ 314 ብ 117 ድምፂ ዝተዋህቦ ሕጊ ናብ ላዕለዋይ ባይቶ ሰኔት ኣመሪካ ሓሊፉ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ክፀድቅ ትፅቢት ዝግበረሉ ኾይኑ ኣብ መወዳእታ ድማ ብፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዋይት ሃውስ ክፍረም እዩ። እዚ ስጉምቲ ነቲ 31.4 ትሪልዮን በፂሑ ዝርከብ ናሕሲ ዕዳ መንግስቲ ጠጠው ዘብሎ እዩ።

ኣብቲ እዋን ኣፈ ጉባኤ ተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ኬቨን ማካርቲ “ሎሚ ምሸት ታሪኽ ኢና ሰሪሕና እዚ ኮንግረስ ስጋብ ሎሚ ድምፁ ካብ ዝሃበሎም እዚ እቲ ዝዓበየ ቅነሳ ቁጠባ እዩ።2.1 ትሪልየን ዶላር: ንሕና ንበይንና ድምፂ ዝሃብናሉ ከኣ ኣይኮነን” ኢሎም።

ባይደን ብወገኖም “ሕጂ ምስቲ ናሕሲ ዕዳ ኢና ክንገጥም እቲ እንደልዮ ረኺብና ኣለና ። ነገራት ከምቲ ዝተለምደ ዝኸዱ ዘለዉ ይመስሉ” ኢሎም። እቲ ስምምዕ ብገለ ኣባላት ዓቃባውያን ክንድቲ ዝድለ ዘይቀነሰ ተባሂሉ ክንቀፍ ከሎ ብገለ ዴሞክራስያዊያን እውን ተቃውሞታት ገጢሙዎ ኣሎ።

እቲ ናብ ኮንግረስ ቀሪቡ ዝርከብ ውጥን ስጋብ ጥሪ 2025 ደረት ልቃሕ እዛ ሃገር ዘትርፍን ወፃእታት መንግስቲ 2024 ዝንክን ኣብ 2025 ብ1% ክውስክ ዝሕግዝ ናይ ክልተ ዓመት በጀት ዝሓዘ'ዩ። እዚ ስጉምቲ ግብሪ ከይውስኽን ወይውን ሃገራዊ ዕዳ ኣብ ዝቅፅል ዓመትን ፈረቓን ብካልእ ተወሳኺ ዕዳ 3 ትሪልዮን ዶላር ንኸይውስኽ ዝዓግት ኣይኮነን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG