ላዕለዋይ መሪሕነት ጸረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ሰባስቲያን ጎርካ፡ ካብ ጥሩፋት እስላማዊ ጉጅለታት ዝብገስ ዘሎ ዓለምለኸ ስግኣታት ምውሳኹ ገሊጹ። እቲ ላዕለዋይ ዳይረክተር ኣብ ኣሃዱ ጸረ-ግብረ ሽበራ ኣመሪካነ ከም ዝብሎ፡ እቲ ስግኣታት እናዓበየ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ንምግታእ እቲ ሓደጋ ዝውዕል ባጀት ድማ ጎዲሉ’ዩ።
ሳባስቲያን ጎርካ፡ ኣብቲ ብቤት ምኽሪ ዝምድናታት ወጻኢ ኣመሪካ ብ11 ለካቲት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ጥሩፋት እስላማዊ ጉጅለታት ብሓድሽ ኣወዳድባን በብእዋኑ ዝመሓየሽ ኣገባባትን እናተጠቕሙ፡ ስግኣታቶም የዕብዩ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
“ፈለማ ጥሩፋት እስላማዊ ጉጅለታት ኣዝዮም ተበታቲኖምን መርበባቶም ኣስፊሖምን’ዮም። ሕጂ ኣብ ዞባ ሳሕል፡ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን ማእከላይ ኤስያን ተዘርጊሖም ኣለዉ። ነዚ ብኣብነት ንምግላጽ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ከም በዓል በኒንን ቶጎን ቅድሚ ሎሚ ውሑድ ስግኣታት እስላማዊ ጉጅለታት’ዩ ነይሩወን። ሎሚ ግን ሰዓብቲ ሱኒ እስላም ዝዀኑ ጥሩፋት ዓቢ ስግኣት ይፈጥሩ ኣለዉ።”
ጎርካ ወሲኹ ከም ዝገለጾ፡ እቶም ጥሩፋት ጉጅለታት ምስ ኩነታትን ምዕባለታትን ብቕልጡፍ ዝለዋወጡን ንሓድሽ ቴክኖሎጂ ድማ ዝለማመዱን ምዃኖም’ዮም። መርበባት እዞም ጥሩፋት ጉጅለ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ብግቡእ ዝጥቀሙን መልእኽትታቶም ድማ ብኣዝዩ ውሑስ ዝዀነ ኣገባባት ከም ዝለዋወጡን ይገልጽ።
ምምሕዳር ትራምፕ ንስግኣታት ግብረ-ሽበራ ንምጉዳል በበይኑ ስጕምታት ኣበጊሱ ኣሎ። ሓደ ካብቶም ፕረዚደንታዊ ትእዛዛት ድማ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ጽኑዕ ክትትል ምግባር’ዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣብ ኣመሪካ ንዝጸንሑ ሕጋዊ መንበሪ ወረቐት ዘይጸንሖም ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ምስጓግ ይርከቦ።
ቀጺሉ ካብ ራብዓይ ስግኣት እስላማዊ ጉጅለታት ኢሉ ጎርካ ዝጠቐሶ፤ “እቲ ራብዓይ ዓለምለኽእ ጥሩፋት ጉጅለታት ዘካይድዎ ዘለዉ ኣብ ጸጥታ ዘሎ ልሕሉሕ መስመር’ዩ። ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ደቡባዊ ወገን ዶባትና ጽኑዕ ሓለዋ ስለ ዘይጸንሓና ድማ ሓደ ዓቢ ሃጓፍ’ዩ፡” ኢሉ።
እንተዀነ ዝቐደመ ምምሕዳር ባይደን’ውን ኣመሪካ ዝጸንዐ ዶባት ከይህሉዋ ንክልተኣዊ ስምምዓት ዘፈርሱ ሰልፊ ርፓብሊካውያን ምዃኖም’ዩ ዝምጉት።
ብሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጥቅምቲ 7ን ዝሰዓበ ዕንወትን ንመሓዙት ኣመሪካን ድማ ሓደ መርኣያ ናይቲ ምስፍሕፋሕ ጥሩፋት እስላማዊ ጉጅለታት ምዃኑ እቲ ኣመሪካዊ በዓል መዚ ኣብቲ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዞባ ሓማስ ጥራይ ዘይኰነስ እንኮላይ ሕዝቦላህ ዝያዳ ጽንፈኛታት እናዀኑ ምምጻኦም’ውን ጠቒሱ። እንተዀነ ይብል ወሲኹ ጎርካ፡ ነቶም ጥሩፋት ወገናት ብዝተገብረ ሃድን ከም ዝጎድሉን ዝበታተኑን ኰይኖም። ንሱ ድማ ተደማሚሩ ናብ ምውዳቕ ስርዓት በሺር ኣልኣሳድ ናይ ሶርያ ኣምሪሑ ይብል እቲ ኣመሪካ በዓልመዚ። እተን ዝዓበያ መወልቲን ኣዋፈርቲን ግብረ-ሽበራዊ ስራሓት ኢራንን ሶርያን ምንባረን ዝጠቐሰ ጎርካ፡ ምውዳቕ ስርዓት ኣሳድ ነቲ መርበብ ኣብ ምብትታን ዓቢ ተራ ከም ዘለዎ ኣብሪሁ።
ሳባስትያን ጎርካ፡ ብዛዕባ ኣብ ፈለማ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ኣብ ሶማሊያ ዝተፈጸመ መጥቃዕታት መሪሕነት ዳዕሽ ኣመልኪቱ’ውን መብርሂ ሂቡ ነይሩ። ኣብ ሰሜን ሶማሊያ ኣብ ዝርከብ ጎቦታት መሕብኢን መዋፈሪን ጉጅለ ዳዕሽ ምዃኑ ነዊሕ መጽናዕቲ ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሖም፡ እቲ ስጕምቲ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ትራምፕ ምምጻኡ’ውን ጎርካ ገሊጹ።
ብመሰረት ሓበሬታ ላዕለዋይ እዚ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ (ኣፍሪኮም) በቲ መጥቃዕቲ 14 ኣባላት ጉጅለ ዳዕሽ ተቐቲሎም። ካብ መንጎኦም፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ፡ ኣወሃሃዲ ስርሒታትን መዋሊን ኣሕመድ ማለኒኒን ይርከቦም።
ቅድሚ’ቲ መጥቃዕቲ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ “ኣመሪካውያን እንተ ቀቲልኩም ወይ ድማ ክትቀትሉ እንተ ፈቲንኩም፡ ረኺብና ክንቀትለኩም ኢና፡” ክብል ጽሒፉ ነይሩ።
ጎርካ ኣብ መግለጺኡ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምምሕዳር ባይደን 30% ብዝወሓደ ባጀት’ዩ ንእስላማዊ ጥሩፍነት ዝቃለሶ ዘሎ።
ቅጥዒ