ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ፡ 16 ኣባላት ዳዕሽ ሶማሊያ ቀቲላ


ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ፑንትላንድ ንዝነጥፉ ኣባላት እስላማዊ ጉጅለ ዳዕሽ ብዝግበሮ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ 16 ኣባላት እቲ ጉጅለ ምቕታሉ ወሃብ-ቃል እቲ ስርሒት ብርጋዴር ጀነራል መሓሙድ መሓመድ ኣሕመድ ንድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ፈነወ ቋንቋ ሶማሊያ ገሊጹ።

ካብ መንጎ እቶም ዝተቐትሉ ኣብ ምቅማም ቦምባን ካልእ ቍልፊ ጉዳያት ናይቲ መርበብ ዝሰርሑ ምንባሮም እቲ ወሃብ-ቃል ወሲኹ ገሊጹ። ዝርዝር መንነት ናይቶም ዝተቐትሉ ዘይገለጸ ብርጋዴር ጀነራል መሓሙድ ኣብዚ ናይ ሰንበት ስርሒት ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣመሪካን ቀንዲ ፈጸምቲ ምንባረን ሓቢሩ።

እቶም ዕጡቓት ጉጅለ ዳዕሽ ናብ ፑንትላንድ ዘነጻጸረ ቦምባታት ድሮን ከም ዝተኰሱ ዝገለጸ እቲ ወሃብ-ቃል፡ ብዘይ ዝዀነ ጉድኣት ግን ከም ዝበርዓነ ወሲኹ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ሶማሊያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ነቲ ስርሒት ንኢዱ ኣሎ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG