ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ነቲ 6 ኣዋርሕ ኣቁጺሩ ዘሎ ውግእ ትግራይ ደው ንክተብሎ፣ ኣሜሪካ ትደፍእ ኣላ


ኢትዮጵያ፣ ነቲ 6 ኣዋርሕ ኣቁጺሩ ዘሎ ውግእ ናይ ትግራይ ደው ንክተብሎ፣ ዩናይትድ ስቴትስ ትደፍእ ኣላ። ሰበ ስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ፣‘መላፍንቲ ዝበሎም ወትሃደራት ኤርትራ፣ ካብ ትግራይ ንክወጹ’ውን ይጽውዑ ኣለው’። ክሳብ ሽዑ ግና መራሒ ኢትዮጵያ ቀ\ሚ ኣብዪ ኣሕመድ፣ ነቲ እናሓደረ ይጋደድ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላትን ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዛትን ኣብ ትግራይመታን ደው ከብልዎ ጸቅጢ ንምሕዳር፣ ዩናይትድ ስቴትስ፣ ካብ ሰብኣዊ ሓገዛት ወጻኢ ንኢትዮጵያ ትልግሶም ደገፋት ገቲኣቶ ክትጸንሕ እያ።

ኣብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ሓጋዚ ጉዳያት ኣፍሪካ ሮበርት ጎደክ ትማሊ ሶኑይ ብስልኪ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ‘’መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ጠጠው ክብል ንደሊኢና።ኤርትራዊያንን ናይ ኣምሓራ ሚሊሽያን ክወፁ ንደሊ ኢና።ናይ ብሓቂ እቲ ግጭት ከብቅዕ ኣለዎ’’ ኢሎም።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ሎማዕንቲ ሰሉስ ብኢንተርኔት ወይም ብቨርቺዋል ኣቢሎም ምስ ሰበስልጣን ኬኒያን ናይጀሪያን ክራኸቡ እዮም።ኣብቲ ኣኼባ ዝርርብ ካብ ዝገበረሎም ኣጀንዳታት ‘’ምሕያል ዴሞክራሲያዊ ምሕደራን’’ ‘’ህንፀት ዘላቒ ድሕነትን’’ዝብሉ ከምዝርከቡዎም ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኔድ ፕራይስ ሓቢሮም።

ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ‘’ዞባዊ ጉዳይ’’ ን ’'ንመላእ እቲ ዞባ ሓደጋ ዘስዕብ እዩ’’ኢሎም ጎደክ።ዩናይትድ ስቴትስ ነዚ ዘጨንቕ ኩነታት ጠጠው ንምባል ምስ ካልኦት መራሕቲ ኣፍሪካ ‘’ ብቐረባ ትራኸብ’’ ከምዘላ ወሲኾም ገሊፆም።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ‘’ ወፍሪ ምኽባር ሕግን ስርዓትን’’ ኢሎም ዝፅውዕዎ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ናይ ፌደራል ወታደራዊ መደብራት መጥቓዕቲ ፈፂሞም ብዝብል ንመራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ \ህወሓት\ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓልን ዕጥቖም ንምፍታሕን ኣብ ሕዳር ንሰራዊት ኢትዮጵያ ትእዛዝ ሂቦም።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ 26 መጋቢት 2021 ኤርትራ ሓይልታት ካብ ትግራይ ንምስሓብ ተሰማሚዓ ኢሎም። ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ግን ምውፅኦም ዘረጋግፅ መርትዖ የለን ክብሉ ይገልፁ።

ብሊንከን ትማሊ ሶኑን ‘’ኤርትራ ወታደራታ ካብ ትግራይ ክተውፅእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኣተዎ ቃል ብዘይ ውዓል ሕደር፣ምሉእ ብምሉእን ብዝረጋገፅን ኣገባብ ክፍፅሙ ብስልኪ ኣቢሎም ንኣብይ ኣተሓሳሲቦም’’ኣለው ኢሉ ኣሎ ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ።

ሓዱሽ ዝተሸሙ ፍሉይ ልኡኽ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ጀፈሪ ፌልትማን ኣብ ቀረባ ማዕልታት ናብ ኢትዮጵያ ክገሹ ትፅቢት ይግበር።

ትማሊ ሶኑይ ንቪኦኤ መግለፂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዘይውዕ እትቦ ዝነበ ረ ሓገዝ ጠጠው ምባላ ከምእትቕፅልን ሰብኣዊ ረድኤት ምሕጋዛ ግን ከምትቕፅለሉን ሓቢሮም።’’ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ሃዋህው ዝበዝሕ ንፕሮግራም ዘፈር ፀጥታን ካልኦት ፕሮግራማትን ደው ዝበለ ሓገዛት ንከይልዓል ወሲና ኣለና’’ኢሎም እቶም ወሃቢ ቃል።

ዩናይትድ ስቴትስ ንኢትዮጵያ እትህቦም ካብ ዝነበሩ ሓገዛት ጠጠው ዘበለቶ ብምኽኒያት ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብፅን ምስሕሓብ ብዘይምፍትሓ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነይሩ።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ከምዝበሎ ዋሽንግተን ንኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ምሃብ ክትቕፅለሉ እያ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሽርክና ንምህናፅን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ድልውቲ እያ ኢሉ ኣሎ።

ብሰንኪ ወታደራዊ ግጭት ትግራይ ኣሽሓት ተቐቲሎምን ካልኦት ኣሽሓት ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ተመዛቢሎምን እዮም።ዓሰርተታት ኣሽሓት ድማ ናብ ሱዳን ሃዲሞም እዮም።ብመሰረት ሕቡራት መንግስታት ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ ግዳይ ህፅረት ምግቢ፣ማይን መድሓኒትን ኮይኑ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG