ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሪፓብሊካዊያን ኣጀንዳ ይሕንፅፁ፤ዴሞክራሳዊያን ንኣማኻርነት ዋይት ሃውስ ብሰንኪ ዝተመዙ ሰብ ሕርቃኖም ይግልፁ


ሪፓብሊካዊያን መራሕቲ ኮንግረስ ቀፃሊ ፕሬዝዳንት ኮይኖም ዝተመርፁ ዶናልድ ትራምፕ ስርሖም ክጅምሩ ከለው ዕቱብ ስጉምቲ ከምዝወስዱ ቃል ይኣትው ኣለው።ትራምፕ ኣማኻሪ ዋይት ሃውስ ገይሮም ብሰንኪ ዝሓረዩዎም ፈላማይ ሰብ ዴሞክራሲያዊያን ሕርቃኖም ይገልፁ ኣለው።

ዶናልድ ትራምፕ ፕሬዝዳንት ኮይኖም ብምምራፆም ብተምሃሮ ዝምራሕ ተቓውሞ ፖል ራያን ንኻሊእ ስልጣን ዘመን ወከልቲ ህዝቢ ኣፈጉባኤ ኮይኖም ኣብ ዝተመርፅሉ ካፒቶል በፂሑ’ሎ።

ራያን ፓርቶም ምዕዋቱ ዝተስምዖም ታሕጓሶም ብምግላፅ ‘’ዓወት ተመራፃይ ፕሬዝዳንት ትራምፕ ህዝቢ ኣሜሪካ ናብ ዝደልዮ ሓቃዊ ምዕባለ ክትርጎም ብትኹረት ዝሰርሕ መንግስቲ ክኸውን እዩ።ሕጉሳት ኢና፤ስራሕ ንምጅማር ተሃንጢና ኣለና’’ኢሎም ኣለው።

ሪፓብሊካዊያን ግብሪ ከትሕቱ፣ዝዓበየ ኽፋል ሕጊ ፖሊሲ ጥዕና ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ክስርዙን ድልየቶም እዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ንስቲቭ ባነን ሓላፊ ፖለቲካዊ ኣማኻሪኦም ገይሮም ምሻሞም ዘፍርሕ ኣጀማምራ እዩ ኢሎምዎ ኣለው ዴሞክራሲያዊያን።ባነን ንኣተሓሳስባ ሃገራዊነት ፀዓዱ ዘጋውሕን ኣንፃር ውሑዳን ዝሰብኽን መርበብ ሓበሬታ ዓቃባዊያን ይመርሑ ዝነበሩ እዮም።ካብ ሚቺጋን ዝተወከላ ዴሞክራሲያዊት ሰኔተር ደቢ ስታብነው ‘’እዚ ሰብ እዚ ዘርኣዊ፣ኣብ ፆታ መሰረት ዝገበረ ኣረኣእያ፣ኣንፃር ሰማዊ፣ኣንፃር መርዓ ተመሳሳሊ ፆታ፣ፆትኦም ዝቕይሩ ሰባት ወዘተ ስምዒታቱ ዝገለፀ ሰብ እዩ።ናይዚ ሰብ እዚ ኣረኣእያታት ኣብ ዋይት ሃውስ ክኣቲ ግቡእ ኣይኮነን’’ኢለን።

ዴሞክራሲያዊ ወኪል ኔቫድ ሰነቴር ሃሪ ሪድ እውን ተመሳሳሊ ስግኣቶም ገሊፆም ኣለው።ሪፓብሊካዊያን ግን ዶናልድ ትራምፕ ዝደለዩዎ ሰብ ከደይቡ መሰሎም እዩ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:50 0:00

XS
SM
MD
LG