ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ንኩነታት ዲሞክራሲ ኢትዮጵያ ዝገምገመ ቃለ ምስክርነት ተኻይዱ


መንግስቲ ኣሜሪካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝህቦ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንዝተሓለነሉ ዕላማ ምውዓሉን ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንግዲ ከምኡ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ትኹረት ክግበረሉ ዝሓተተ ብኣባላት ኮንግረስ ንዝቀረበ ረቂቅ ውሳኔ 128 ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ቃለ ምስክርነት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተሰሚዑ ኔሩ።

እቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ካብ ኒው ጀርሲ ዝኾኑ ኮንግረስ ማን ክሪስ ስሚዝ ጸሓፊነትን ብካልኦት ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ንኡስ ኮሚቴ ጉዳይ ኣፍሪቃ ዝቀረበን ሰብኣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝገምገመን ኣኼባ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ትህቦ ሓገዝ ሓላፍነትን ተሓታትነት ክህልዋ መዓቀኒታት ንምንባር ዝቀረበ ረቂቅ ውሳነ 128 ቃለ ምስክርነት ሽዱሽተ ሰባት ሰሚዑ’ዩ።

እዚ ከይዲ ምስማዕ ቃለ ምስክርነት ዘድለየ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣተሓሕዛ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን እንታይ ከምዝመስል ምሉእ ምስሊ ንምርካብ ምኳኑ ኮንግረስማን ክሪስ ስሚዝ ነቲ ከይዲ ክከፍቱ ከለው ገሊጾም።

ክሪስ ስሚዝ ኣብቲ ኣኬባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ጸጥታ ኣብ ምኽባር ምስ ኣሜሪካ ብምትሕብባራ፡ ከም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝአመሰለ ሃገራት ዓቀብቲ ሰላም ንምልኣኽን ሰላም ኣብ ምኽባር መሻርክቲ ኣሜሪካ’ያ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG