ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ናታንያሁ ንባይቶ ኣመሪካ መደረ ኣስሚዑ፡ ሓያሎ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ኣይተሳተፉዎን


ቀ/ሚ ናታንያሁ ንባይቶ ኣመሪካ መደረ ኣብ ዘስምዓሉ
ቀ/ሚ ናታንያሁ ንባይቶ ኣመሪካ መደረ ኣብ ዘስምዓሉ

ድሕሪ ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ንባይቶ ኣመሪካ ትማሊ ረቡዕ መደረ ኣስሚዑ። ኣብቲ ሓያሎ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲውያን፡ ንፖሊሲ መንግስቱ ብምቅዋም ዘይተሳተፉዎ ኣጋጣሚ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንሕብረት ኣመሪካን እስራኤል ደጊሙ ጸዊዑ።

ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስን ናይ ቅድም ኣፈ-ጉባኤ ናንሲ ፖለሲን ካብ መንጎ’ቶም ነቲ መደረ ዘይተሳተፉ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ሰልፊ’ዮም።

ናታንያሁ ኣብ መደረኡ፡ “እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣብ መንጎ ንሞት ዝጽንብሉን ንምዕባለ ዝቃለሱ ሓይልታትን’ዩ፡” ክብል ገሊጹዎ። እንተዀነ ናታንያሁ መደረ ኣብ ዘስምዓሉ ዝነበረ እዋን ኣሽሓት ተቓወምቲ ካብ ከባቢ ካፒቶል ርሒቖም ተቓውሞኦም የስምዑ ነይሮም። ብመሰረት ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር 39-ሽሕ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም ኣለዉ።

ናታንያሁ ንባይቶ ኣመሪካ መደረ ክስምዕ ብኽልቲኡ ሰልፍታት ዝተዓደመ ኰይኑ፡ ኣፈ-ጉባኤ ማይክ ጀንሶን’ውን፡ “ነታ ቀንዲ መሓዛና እስራኤል ዝግበር ቃልሲ ኪንዮ ዶባት ዝኸይድ ናይ ህልውና ሽርክና’ዩ፡” ክብል ገሊጹ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG