ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አባል ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኢልየት ኢንግል ማእሰርቲ አቶ በቀለ ገርባ ከምዘሻቀሎም ገሊጾም


 ኢሊየት ኤንግል
ኢሊየት ኤንግል

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት እንተፈትሓ ኣብ ማእሰርቲ ዝርኸቡ ዋና ጸሓፊ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ አቶ በቀለ ገርባ ንቤት ፍርዲ ተዳፊርካ ብዝብል ክሲ ናይ 6 ወርሒ ተወሳኺ ማእሰርቲ ብምፍራዶም ተሻቂልና ኣለና ክብሉ ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ አባል ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኢልየት ኢንግል ገሊጾም።

ዲሞክራት አባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢኢልየት ኢንግል ትማሊ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ አባል ክልቲኡ ፓርቲታት ዝኾኑ ተወከልቲ ህዝቢ ወኪል ህዝቢ ዝሓቆፈ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ቶም ላንቶስ እሱር ሕልና’ዮም ኢሎም ዝገለጾም አቶ በቀለ ገርባ ሓሚሞም ከምዘለው ተረዲእና ኣለና ኢሎም።

አባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ኢልየት ኢንግል ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ተኻይዶ ርክብ ንደሕንነት ከም አቶ በቀለ ገርባ ዝአመሰሉ ተማጓቲ ሰብኣዊ መሰላት ቀዳምነት ክትህቦ ዘለዋ ጉዳይ እዩ ኢሎም።

“ስለዚ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንኽክበር ኩሉ አሳታፊ ዝኾነ መንግስቲ ክህልው ዝሓትት ውሳነ ቁጽሪ 128 ካብ ዘዳለውን ዘቕርቡን ሓደ ምዃነይ ሓበን ይስምዓኒ” ክብሉ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG