ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንድፊ በጀት ኣመሪካ ፍልልያት ይፈጥር


ንድፊ በጀት ኣመሪካ ፍልልያት ይፈጥር
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:53 0:00

ንድፊ በጀት ኣመሪካ ፍልልያት ይፈጥር

ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ብኮንግረስ ዝቐረበ ባጀት ዝመጽእ ዓመት፡ ንደሞክራት ዝተዋህበ ህያብ`ዩ ብምባል ውዱቕ ክኸውን ይጽውዕ ኣሎ።

ኣብቲ ምስ ተመራጺ ምኽትል ፕረዚደንት ጀይ ዲ ቫንስ ኮይኖም ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እቲ ብክልተ-ፓርቲ ተኣሚሙ ዘሎ ባጀት ክንጸግ ኣለዎ ኢሎም። ደሞክራት ግን ንዝመጽእ ሳዕቤን ተሓተቲ ሪፓብሊካን`ዮም ይብሉ።

ትራምፕ ነቲ ምንጻግ ባጀት ዘስምዐ፡ ቢልየነር አላን ማስክ እቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ንደሞክራት ዘርብሕ`ዩ ብምባል ክንጸግ ድሕሪ ምጽውዑ`ዩ።

አለን ማስክ እቲ ተኣሚሙ ዘሎ ዓንቀጽ ባጀት ብኣግኡ ክቐተል ኣለዎ ድሕሪ ምባል፡ ነቶም ነቲ ዓንቀጽ ዝተቓወሙ ሪፓብሊካን ግን ንኢዱ`ሎ። እቲ ብሓባራዊ ኮሚቴ ደሞክራትን ሪፓብሊካንን ዝቐረበ ባጀት፡ ንመንግስቲ ንልዕሊ ዓቐን ወጻኢታት ዘቃልዕ`ዩ፡ ከምኡ`ውን ድልየት ደሞክራት ጥራይ ዘማልእ`ዩ ብምባል እዮም ትራምፕን ንቅርጡውነት መንግስቲ ክቆጻጸር ዝሰየሞ አላን ማስክን ዝቃወምዎ ዘለዉ።

ካብ ከንታኪ ዝተወከለ ሪፓብሊካን ኣንዲ ባር`ውን ነቲ ሓሳብ ብምድጋፍ ተለፎነይ ብዘይ ዕረፍቲ ይድወል ኣሎ፡ ከም ዝመስለኒ እቶም ንዓና ዝመረጹና ዜጋታት ንአላን ማስክ ይስምዕዎ ኣለዉ ኢሉ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ መግለጺኡ፡ ሪፓብሊካውያን ብዛዕባ`ቲ ባጀት ኣብ ልዝብ ከካይዱ ኣለዎም፡ ካብኡ ዝተረፈ ግን ነቲ ባጀት ከምዘለዎ ምሕላፉ ንሃገርና ምጥላም`ዩ ኢሉ። ከምኡ`ውን ደረት ምልቃሕ ኣመሪካ ክናዋሕ ትራምፕ ጸዊዑ`ሎ። ትራምፕ “ ምውሳኽ ደረት ለቓሕ ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ግን ሕጂ ባይደን እናረኣየ ከሎ እንተገበርናዮ ዝሓሸ`ዩ" ኢሉ።

ተዓዘብቲ፡ ትራምፕ ሕጂ እቲ እማመ ባጀት ከይሓልፍ ምቅዋሙ ነቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ድፍኢት ዝደግም ክኸውን`ዩ ይብሉ። እቲ ዓንቀጽ ንክሓልፍ ዝሸምገለ ኣፈጉባኤ ባይቶ ሪፓብሊካን ማይክ ጆንሰን`ውን ትራምፕ ስለዘይተቐበሎ ካልእ ጸገም ኣጋጢምዎ`ሎ።እቲ ኣፈጉባኤ ንባዕሉ ዝመጽእ ወርሒ ምርጫ ይጽበዮ`ሎ።

ሪፖብሊካን ብቕሩብ ቁጽሪ በሊጾም ስለዘለዉ ኣፈጉባኤ ኣብ ምምራጽ ከምቲ ዝሓለፈ ንባይቶ ዘተዓናቐፈ ኩነታት ከጋጥም ይኽእል `ዩ።

ትራምፕ ሕጂ ኣንጻር`ቲ ዝቐረበ እማመ ባጀት ዝዛረብ ዘሎ፡ ብዙሓት ኣባላት ባይቶ ብምኽንያት በዓላት ልደትን ሓዲሽ ዓመትን ዕረፍቲ ወጽዮምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን`ዩ።

ካብ ኣርካንሳ ዝተወከለ ሪፓብሊካን ኣባል ባይቶ ስቲቭ ዉማክ፡ ብዛዕባ`ቲ ፍልልይ ሓሳብ ኣብ ጉዳይ ባጀት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብዚ ባይቶ 14 ዓመታት ጌረ`የ፡ ዝገርመኒ ነገር የለን፡ ግን ኣብ ከምዚ ዓይነት ሕንፍሽፍሽ ክንኣቱ ኣይነበረናን ኢሉ።

ምምሕዳር ባይደን ብወገኑ ንተኽእሎታት ምዕጻው መንግስቲ ነቒፉ`ሎ። ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ከሪን ፒየር ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ "ሪፓብሊካን ብፖለቲካ ምጽዋት ክገድፍዎ ኣለዎም፡ ነቲ ብሓባራዊ ኮሚቴ ዝቐረበ እማመ ባጀት ምውዳቕ ማለት ንሰራሕተኛ ህዝቢ ኣመሪካ ምጉዳእን ኣብዛ ሃገር ዘይምርግጋእ ምፍጣርን`ዩ" ኢላ።

ግሮቨር ነርኩስት- `ኣመሪካውያን ንምምሕያሽ ቀረጽ` ናይ ዝተባህለ ትካል ፕረዚደንት `ዩ። ነቲ ምስሕሓብ ባጀት ኣብ ምፍታሕ ንጹር ስትራተጂ የድሊ ይብል። ቢልየነር አላን ማስክ፡ ኣብ መንግስቲ ቁርጥውነት ክግበር ዝብል ሓሳቡ ጽቡቕ`ኳ እንተኾነ፡ ንጉዳይ ባጀት ባይቶ ክመርሕ ግን ትኽክለኛ ሰብ ኣይኮነን ይብል።

ካልኦት ድማ ብአላን ማስክ ዝተሓጎሱ ኣለዉ። ኣብዚ ባይቶ መሰረታዊ ለውጢ ክርኢ ነዊሕ ተጸብየ እየ ዝበለ ካብ ኖርዝ ካሮላይና ዝተወከለ ዳን ቢሾፕ፡ ሕጂ ግዚኡ ዝኣኸለ ይመስል ኢሉ።

አላን ማስክ ኣብቲ ዝውንኖ ኤክስ ዝተባህለ ማሕበራዊ ሚድያ ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ባጀት ድምጹ ዝሃበ ዝኾነ ኣባል ባይቶ ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ብድምጺ ምርጫ ክወጽእ ኣለዎ ኢሉ።

ኣብ ባይቶ ንደሞክራት ዝመርሕ ሓኪም ጀፍሪስ ግን፡ ነቲ ዝመጽእ ጉድኣት ተሓተቲ ሪፓብሊካን`ዮም ብምባል፡ ነቲ ብኮሚቴ ክልቲኡ ባይቶ ዝሓለፈ ንድፊ ባጀት እንተጥሒስካዮ ግን፡ ነቲ ዝመጽእ ሳዕቤን `ውን ትውንኖ ንስኻ ኢኻ ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG