ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ ማሕበራዊ መራኸቢ ቲክቶክ ካብቲ ዝውንኖ ትካል ክፍለ ይእምም


ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ ማሕበራዊ መራኸቢ ቲክቶክ ካብቲ ዝውንኖ ትካል ክፍለ ይእምም
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:36 0:00

ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ ማሕበራዊ መራኸቢ ቲክቶክ ካብቲ ዝውንኖ ትካል ክፍለ ይእምም

ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ቲክቶክ ካብቲ ብናይ ቻይና ኮሚንስቲ ፓርቲ ዝውነን ዝበሎ ባይዳንስ ዝተባህለ ኩባንያ ንክፍለ፡ ወይ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ክፋል ሶፍትዌሩ ክሽየጥ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ንድፊ-ሕጊ ኣሕሊፉ`ሎ።

እቲ ቀንዲ መዘራረቢ ጉዳይ እቲ ቻይናዊ ትካል ናይ ኣመሪካውያን ውልቃዊ ሓበሬታ ብቐጻሊ ይእክብ ኣሎ ዝብል ሻቕሎት’ዩ።

ቲክቶክ ግን እቲ ንድፊ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝድርት`ዩ፡ እቲ ኣፕ`ውን ጸጥታዊ ሓደጋ ዘለዎ ኣይኮነን ክብል ይምጉት።

እቲ Protecting Americans from Foreign Adversary Controlled Applications Act ማለት "ዓንቀጽ ሕጊ ምሕላው ኣመሪካውያን ካብ ናይ ወጻኢ ምትእትታው" ዝብል ዓንቀጽ ሕጊ፡ ቲክቶክ ኣብ ኣመሪካ ካብቲ ብኮሚንስታዊ ፓርቲ ዝውነን ዝብሃል ባይትዳንስ ዝብሃል ካምፓኒ ክፍለ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ግዜ ዝሃበ`ዩ።

ከይትሊን ቺን ሮትማን፡ ካብ ማእከል ስትራተጅን ኣህጉራዊ መጽናዓትን እቲ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ዘሎ ስግኣት፡ ቲክቶክ ናብቲ ዝውንኖ ባይትዳንስ ውልቃዊ ሓበሬታ ከሕልፍ ይኽእል `ዩ፡ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ናብ መንግስቲ ቻይና፡ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣመሪካውያን ከመሓላልፍ ይኽእል`ዩ እዩ ትብል።

ንሳ ኣተሓሒዛ፡ መንግስቲ ቻይና ብቲክቶክ ዝረኽቦ ሓበሬታ ተጠቒሙ፡ ፕሮፓጋንዳ ክሰርሕ ይኽእል`ዩ ዝብል ስኽፍታ ገና መረጋገጺ ከም ዘይተረኸበሉ`ያ ትገልጽ፡ እንተኾነ፡ ኣብ መጻኢ መንግስቲ ቻይና ብቲክቶክ ጌሩ ጸቕጢ ከሕድር ኣይክእልን`ዩ ማለት ኣይኮነን ትብል።

ዋና ሓላፊ ቲክቶክ ሾ ዚ ቸው፡ ብወገኑ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ዳታኹም ውሑስ ክኸውንን ማሕበራዊ ሚድያና ካብ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ናጻ ክኸውንን ብዙሕ ሰሪሕና ኢና" ብምባል ነቲ ክሲ ደጋጊሙ ነጺግዎ`ሎ። እቲ ጉዳይ ንቲክቶክ ኣብ ኣመሪካ ንምእጋዱ ዝግበር ውጥን ምዃኑ`ውን እቲ ካምፓኒ ባዕሉ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ሓቢሩ`ሎ።

ሽሕ`ኳ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ካብ ዜጋታቶም ቲክቶክ ከይዕጾ ጻውዒት ተለፎናት ከም ውሕጅ ይመጾም እንተሎእቲ ንድፊ ዓንቀጽ ሕጂ ብክልቲኦም ፓርትታት ድጋፍ ዝረኸበ ይመስል።

ኣፈጉባኤ ማይክ ጆንሰን ዝሓለፈ ሰሙን ንሪፖርተራት ብዛዕባ`ቲ ንድፊ ክዛረብ ከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ዝዓበየት ጂኦ-ፖለቲካል ጸላኢትናን ንቁጠባን ጸጥታና ከተዳኽም ትደሊን ቻይና ዝተገብረ ኣገዳሲ ስጉምቲ`ዩ ኢሉ።

እንተኾነ እቲ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ዝሓለፈ ንድፊ ኣብቲ ደሞክራት ዝቆጻጸርዎ ሰነት ሕይል ዝበለ ዓቐበት ከጋጥሞ ከም ዝኽእል `ዩ ዝግለጽ ዘሎ። መራሒ ኣብዝሓ ፓርቲ ማለት ደሞክራት ዝኾነ ሻክ ሹመር፡ ቅድሚ ምውሳንና፡ሓደ ኮሚቴ ኣቑምና ዝሓሸ ኣንፈት ክንውስን ኢና ኢሉ`ሎ።

ኣብ ሰነት ኣቦ መንበር ኮሚቴ ስለያ ማርክ ዋርነር ብወገኑ፡ ንሓደ ኣፕ ማሕበራዊ ሚድያ ነጺልካ ምርኣይ ብዛዕባ ዝህልዎ ሕጋውነት ጥርጣረኡ ገሊጹ`ሎ። ከም ኣማራጺ ድማ ካልኦት ውልቃዊ ሓበሬታ ዝእክባ ማሕበራዊ ሚድያታት`ውን ዝሓቖፈ ስፍሕ ዝበለ ረቂቕ ንድፊ ናብ ሰነት ኣቕሪቡ`ሎ።

ሽሕ`ኳ ክፍሊ ጎስጓስ ምርጫ ባይደን ኣብዚ ቐረባ እዋን ምስ መንእሰያት ኣድመጽቲ ክራኸብ ከሎ ቲክቶክ ተጠቒሙ እንተነበረ ዋይት ሃውስ ነቲ ንድፊ ብጽቡቕ ተቐቢልዎ`ሎ።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሪን ያን ፒየር ንሪፖርተራት ክትዛረብ ከላ፡ “እቲ ንድፊ፡ ዋንነት ቲክቶክ ኣብ ኢድ እቶም ክጎድኡና ዝደልዩ ንከይኸውን ዘረጋግጽ`ዩ” ኢላ ኔራ።

ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ኣፕ ማለት መተግበሪ ቲክቶክ ክእገድ ኣብ 2020 ጸዊዑ እንተነበረ `ኳ፡ ሕጂ ግን መንገዱ ቀይሩ፡ ቲክቶክ እንተተዓጽዩ፡ ንፈይስቡክ ከሐይሎ`ዩ ዝብል መጎተ የምጽእ ኣሎ።

ኣብዚ ዓመት`ዚ ንዝግበር ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንሰልፊ ሪፓብሊካን ዝመርሕ ዘሎ ትራምፕ፡ ምስ CNBC ዝተባህለ ተለቭዥን ኣብ ዘካየዶ ናይ ተለፎን ቃለ-መጠይቕ “ብዛዕባ ቲክቶክ ብዙሕ ጽቡቕ ኣሎ፡ ብዙሕ ሕማቕ ኣሎ፡ ኣነ ዘይፈተኽዎ ነገር ግን፡ ብዘይ ቲክቶክ፡ ንፈይስቡክ ክተዕብይዎ ኢኹም” ኢሉ ።

እቲ ንቲክቶክ ኣብ ኣመሪካ ምእጋድ ዝብል ዓንቀጽ እንተሓሊፉ፡ ዜጋታት ኣመሪካ ንናጻ ፕረስ ዘለዎም ዕድላት ዝድርት `ዩ ዝብል ሕገ-መንግስታዊ ሕቶ`ውን ምልዓሉ ኣይተረፈን። ከምኡ `ውን ነቲ ዓንቀጽ ሕጊ ንምትግባሩ ኣጸጋሚ ከም ዝኸውንን ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኣመሪካ ክብዳህ ከም ዝኽእልን ይግመት ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ቲክቶክ ብኣመሪካውያን ሰብ-ሃብቲ ክዕደግ ዝብል ኣማራጺ ኣሎ። ነዚ ግን እቲ ካምፓኒ ኣዝዩ ዓቢይ ምስ ምዃኑ፡ ከምኡ ቻይና ዘለዋ ሕግታት ቁጽጽር ንግዲ ወጻኢ ኣብ ግምት ተኣትዩ እቲ መስርሕ ከቢድ ከም ዝኸውን ይግመት።

ቲክቶክ ኣብ ኣመሪካ ክዕደግ ባይታ ካብ መንጎ ዘጣጥሑ ዘለዉ ሰባት ሓደ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ትራምፕ ሚንስተር ገንዘብ ዝነበረ ስቲቨን ምኑቺን `ዩ። ንሱ ሓደ ናይ ኣውፈርቲ ጉጅለ የወሃህድ ኣሎ። ንተለቪጅን CNBC ክዛረብ ከሎ፡ “ኣብ ኣመሪካ ልዕሊ 170 ሚልየን ተጠቀምቲ ዘለውዎ ቲክቶክ፡ ብትካላት ኣመሪካ ክውነን ኣለዎ” ኢሉ። እቶም ንቲክቶክ ክዕድጉ ዝሓጽዮም ዘሎ ትካላት በዓል መን ምዃኖም ግን ዝርዝር ኣይሃበን።

ቲክቶክ ካብ ባይትዳንስ ዝተባህለ ኩባንያ ቻይና ክፍለ ወይ ኣብ ኣመሪካ ክሽየጥ ዝብል ኣብ ባይቶ ወከልቲ ዝሓለፈ ንድፈ-ሕጊ ኣብቲ ደሞክራት ዝዕብልልዎ ሰነት ማለት ቤት ምኽሪ መወሰኒ ሕጊ ንክሓልፍ ዝጽበዮ ዘሎ ዕድል ዘተኣማምን ኣይኮነን። ብዕምቆት ክነጽንዖ ኢና ዝብል`ዩ። ፕረዚደንት ባይደን ግን ናብ ጠረጴዛይ እንተመጽዩ ክፍርሞ`የ ይብል ኣሎ፡ ኣዚ ድማ ሕጊ ንክኸውን ማለት`ዩ።

ቲክቶክ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ንመንግስቲ ቻይና መሳርሒ ኮይኑ የገልግል`ዩ ዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ ክነጽጎ ጸኒሑ`ሎ።

መንግስቲ ኣመሪካ`ውን ቲክቶክ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣመሪካውያን ናብ ሰበ-ስልጣን ቻይና ምሕላፉ ዘረጋግጽ መረዳእታ ከቕርብ ኣይክኣለን።

ቻይና ኣብ ዘሕለፈቶ መግለጺ ድማ፡ እቲ ንቲክቶክ ንምእጋድ ዝግበር ዘሎ ፈተነ፡ ናይ ወጻኢ ካምፓንታት ኣብ ኣመሪካ ምዕሩይ ዝኾነ ውድድር ንኸይህልወን ዝገብር `ዩ ክትብል ኣጠንቂቓ `ላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG