ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ነቲ ብምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝቐረበ እማመ ባጀት ብትሪ ነጺግዎ። ትራምፕ ዘቕረቦ ሓዲሽ እማመ፡ መንግስቲ ንሰለስተ ወርሒ ዝጸንሕ ባጀት ክምደብን ደረት ግዜ ሃገራዊ ለቓሕ ክናዋሕን ዝጽውዕ`ዩ።
ትማሊ ሓሙስ ብቅልጡፍ ዝተኣከበ ባይቶ ኣመሪካ ዘቕረቦ እማመ ባጀት ዝመጽእ ዓመት፡ ክልተ-ሲሶ ድምጺ ስለዘይረኸበ ክወድቕ ክኢሉ`ሎ። እቲ ዓንቀጽ እንተዘይሓሊፉ ድማ ገንዘብ ስለ ዘይተመደበሉ ስርሓት መንግስቲ ይዕጾ`ሎ ማለት`ዩ።
ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ማይክ ጆንሰን ቅድሚ ናይ ሎሚ ለይቲ ዘሎ ደረት ግዜ፡ ነቲ ኩነታት ዳግም ክግምግሞ ምዃኑ ሓቢሩ`ሎ። ጆንሰን ድሕሪ`ቲ ምውሃብ ድምጺ ንሪፖርተራት ክዛረብ ከሎ "ዳግም ተወዲብና ብኻልእ ፍታሕ ክንመጽእ ኢና- ተጸበዩና " ኢሉ።
እቲ ንድፊ ምውዳቑ ንዶናልድ ትራምፕን መሻርኽቱ ቢልየነር አላን ማስክን ከቢድ መኻልፍ`ዩ። እቲ እማመ ኣብ ግዜ በዓላት ልደት ክርስቶድ መንግስቲ ንኸይዕጾ ብሓደ ኮሚቴ ሪፓብሊካንን ደሞክራትን ዝቐረበ`ዩ ኔሩ።
እዚ ዘርእዮ እንተሃለወ፡ትራምፕ ናብ ዋይት ሃዋስ ኣብ ዝመጻሉ እዋን እቲ ብሪፓብሊካን ዝዕብለል ባይቶን ሰነትን ሓጎጽጎጽ ዝጽበዮ ምዃኑ ብኣግኡ ዘመላኽት`ዩ። ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ መዝነቱ ማለት 2018 ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝነውሐ ምዕጻው መንግስቲ ኣጋጢሙ ኔሩ።
ትራምፕ ትማሊ ዘቕረቦ እማመ፡ መንግስቲ ንሰለስተ ወርሒ ዘቕጽሎ ባጀት ክምደበሉ፡ ንድልውነት ሓደጋ $100 ቢልየን ክምደበሉ፡ መንግስቲ ንክልተ ዓመት ዝናዋሕ ማለት ክሳብ ጥሪ 30 ,2027 ክልቃሕ ክኽእል ዝብል`ዩ።
እንተኾነ ሪፓብሊካን ንባዕሎም ኣብ ነንሕድሕዶም ሰለዘይተሰማምዑ፡ ማለት ገለ ሪፓብሊካን ነቲ ናይ ትራምፕ ሓዲሽ እማመ ስለዘይተቐበልዎ ክሓልፍ ኣይከኣለን።
ኣብ ባይቶ ወከልቲ መራሒ ደሞክራት ሓኪም ጀፍሪስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ካብቲ ምስ ኣፈጉባኤ ጆንሰን ዝገበርናዮ ውዕል ፈልከት ኣይንብልን ኢና፡ እዚ ብትራምፕ ቀሪቡ ዘሎ ሓዲሽ እማመ ግን መስሓቕ`ዩ ጥራይ ኢና ክንብሎ ንኽእል ኢሉ።
ትራምፕ ብዛዕባ ሪፓብሊካን ኣፈጉባኤ ማይክ ጆንሰን ክዛረብ ከሎ፡ ጆንሰን ስርሑ ብዝግባእ እንተሰሪሑ ክቕጽል ይኽእል ዩ- እንተዘይኮነ ግን ካልእ ጸገም ክመጽእዩ ክብል ኣጠንቂቑ`ሎ።
ገለ ደገፍቲ ትራምፕ፡ ነቲ ንቢልየነር አላን ማስክ ናብ መዝነት ኣፈ-ጉባኤ ነምጽኣዮ ዝብል ርሑቕ ሓሳብ`ውን ዝድግፉ`ለዉ። ምኽንያቱ ሓደ ኣፈ-ጉባኤ ኣባል ባይቶ ክኸውን ግድነት ስለዘይኮነ። ካብ ጆርጅያ ዝተወከለት ሪፓብሊካን ማርጆሪ ተይለር ግሪን ነቲ ሓሳብ ንምስማዕ ድልውቲ እየ ኢላ።
ሽሕ`ኳ እማመ ትራምፕ ክወድቕ ገለ ኣባላት ሪፓብሊካ`ውን ሓጊዞም እንተኾኑ አላን ማስክን ምኽትል ትራምፕ ኮይኑ ዝተመርጸ ጀይ ዲ ቫንስን ንደሞክራት`ዮም ተሓተቲ ይገብሩ።
ጀይ ዲ ቫንስ "ደሞክራት መንግስቲ ክዕጾ ይድልዩ`ለዉ፡ ንሳ ድማ ክረኽብዋ `ዮም" ኢሉ ።
ደሞክራት ነባር ኣባል ባይቶ ካተሪን ክላርክ ብወገና፡ ስለ ምንታይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ቅልውላው ንኣቱ? ብህዝቢ ዘይተመርጸ አላን ማስክ ስለዘይደለዮን ትራምፕ ስለዝደገፎን መንግስቲ ክዕጾ ኣለዎ ማለት ድዩ? ብምባል መንግስቲ እንተተዓጽዩ ኣብ ኣመሪካውያን ክስዕብ ዝኽእል ዘበለቶ ሳዕቤን ዘርዚራ።
ትማሊ ኣብ ባይቶ ዝነበረ ክትዕ ርሱን `ዩ። ሓደሳዕ ነቲ ባይቶ ዝመርሕ ዝነበረ ማርክ ሞሊናሮ ነቲ ስርዓት ዘትሕዘሉ ማርቴሎ ክሳብ ዝስበር ሃሪምዎ።
ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ኣባላት ባይቶ ኣብ ስምምዕ እንተዘይበጺሖም መንግስቲ ክዕጾ`ዩ፡ ማለት ድማ ብዙሓት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብዘይ ደሞዝ ዘዘው ክብሉ`ዮም ማለት`ዩ። ክፍሊ ባጀትን ምሕደራን ዋይት ሃውስ ድማ ድሮ ብዛዕባ`ቲ ከጋጥም ዝኽእል ተርእዮታትን ናብ ትካላት መንግስቲ ኣፈናዊ መምርሕታት ኣመሓላሊፉ`ሎ።
ቅጥዒ