ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሎምቢያን ኣመሪካን ኣብ ምስጓግ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታት ተረዳዲአን


ስደተኛታት ካብ ኣመሪካ ናብ ጓቲማላ ዝጥረዙ
ስደተኛታት ካብ ኣመሪካ ናብ ጓቲማላ ዝጥረዙ

ኣብ መንጎ መሪሕነት ኮሎምቢያን ኣመሪካን ዝጸንሐ ወጥሪ ምስጓግ ስደተኛታት ከም ዝተረጋግአ ካብ ቤተ መንግስቲ ዋይት-ሃውስ ዝወጽእ መግለጺ ይሕብር። ብመሰረት እቲ፡ ኮሎምቢያ ነቲ ኣቐዲማ ነጺጋቶ ዝጸንሐት፡ ናብ ሃገራ ዝስጎጉ ዜጋታታ፡ እንኮላይ ብወታሃደራውያን ነፈርቲ ኣመሪካ ክመጽኡ ተቐቢላ ኣላ።

ኣቐዲሙ ፕረዚደንት ኮሎምቢያ ጉስታቮ ፔትሮ፡ ነቶም ስደተኛታት ብግቡእ ክብሪ ምስ እትሕዞምን ናብ ሃገሮም እተፋንዎምን ጥራይ ከም እትቕበል ገሊጹ ነይሩ። በዚ ዝተቖጥዐ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካብ ኮሎምቢያ ዝኣቱ ንብረት ናይ 25% ግብሪ ወሰኽ ኣዊጁ። ኮሎምቢያ’ውን ተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ኣመሪካ ናይ 25% ወሰኽ ቀረጽ ከም እትገብር ኣመልኪታ።

ድሕሪ’ዚ እምበኣር’ዩ ክልተኣን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ምብጻሐን ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዝገልጽ ዘሎ።

ኮሎምቢያ፡ ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ሳልሰይቲ ዝዓበየት መሻርኽቲ ንግዲ ኣመሪካ’ያ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ስልጣኑ ድሕሪ ዝፈረሞ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፡ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምስጓግ ብጃምላ ገፊፉ ናብ ሃገራቶም ምጥራዝ ጀሚሩ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG