ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓንቲ ኣሜሪካዊት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተላዓለ ተቃውሞ ተቀቲላ


ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተላዓለ ተቓውሞ ኣብ ተሳፊራትላ ዝነበረ መኪና ብሰልፈኛታት ዝተሰንደወ ኣእማን ሓንቲ ኣሜሪካዊት ምቕታላ ተገሊጹ።

እታ ካብ ክፍለ-ግዝኣት ካሊፎርንያ ዩኒቨርሲቲ ደቪዝ ዝኾነት ኣሜሪካዊት ንምርምር ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኸደት ሰበ-ስልጣን'ቲ ዩኒቨርሲቲ ኣፍሊጦም።

ሸሮን ግረይ ንድሕሪ ዶክተሬት ምርምር ናብ ኢትዮጵያ ዝኸደት ከምዝኾነትን ኣብቲ ተካይዶ ዝነበረት መጽናዕቲ ንኣኼባ ድሕሪ ምኻዳ ካብ አዲስ አበባ ውጽእ ኣብ ዝበለ ቦታ እናተጉዓዘት ከምዝተቐትለት ተገሊጹ'ሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ'ቲ ዩኒቨርሲቲ ምስኣ ሓቢሩ ዝጉዓዝ ካልእ ውልቀሰብ ብዘይ ዝኾነ ጉድአት ናብ ኣሜሪካ ከምተመለሰ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣሜሪካ ኢምባሲ ኣሜሪካዊት ዜጋ ምሟታ ዝሓበረ እንተኾነ ስምን ዝርዝር እቲ ኩነታት ኣይገለጸን።

ወሃቢ ቃል'ቲ ዩኒቨርሲቲ ኣኒ ፊል ሻሮን ግረይ ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚራ ምስ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ደቪስ ትሰርሕ ከምዝነበረት በዓል ቤታ'ውን ሓቢሩ ምስኣ ይሰርሕ ከምዝነበረ ገሊጻ'ላ።

XS
SM
MD
LG