ዋሽንግተን —
ኣመሪካን ቻይናን ወተሃደራዊ ርክባት ክቕጽላ ተሰማሚዐን። ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሊዮድ ኦስቲን ምስ ናይ ቻይና መዘንኡ ዶንግ ዩን ኣብ ሲንጋፖር ተራኺቡ ኔሩ። ኣብ ውሽጢ ዓመትን ፈረቓን እቶም ሚንስተራት ምክልኻል ገጽ ንገጽ ክራኸቡ እዚ ናይ መጀመርያ ምዃኑ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ይሕብር።
ኣብ ሲንጋፖር ካብ ዙርያ ዓለም ዝተወከሉ ሰበስልጣን ምክልኻል ዝተረኸብሉ መድረኽ ጸጥታ ተኻይዱ ኔሩ። ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፈ ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሊዮድ ኦስቲን፡ እቲ ርክብ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ `ውን ብተለፎን ከም ዝቕጽልዎ ተዛሪቡ`ሎ።
ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ምክልኻል ቻይና ዉ ኩያን ብወገኑ እቲ ርክብ ኣወንታዊ ኔሩ ድሕሪ ምባል፡ ነገር ግን ኩሉ ክልቲኣዊ ጸገማትና ኣብ ሓደ መዓልቲ ክንፈትሖ ኢና ማለት ኣይኮነን ኢሉ። እቲ ዝዓበየ ጸገም ድማ ጉዳይ`ታ ኣካላ ትሓስባ ታይዋን ምዃኑ ጠቒሱ`ሎ።
ጉዳይ ታይዋን ውሽጣዊ ጉዳይ ቻይና`ዩ፡ ሓይልታት ወጻኢ ኢዶም ከእትዉ መሰል የብሎምን፡ ተግባራት ኣመሪካ ድማ ነቲ ሓንቲ ቻይና ዝብል መትከልና ዝጥሕስ `ዩ ኢሉ።
ቅጥዒ