ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አሜሪካን ቻይናን ናይ ሳይበርናን ዋንነት ምሕዞን ምስጥራዊ ንግዲን ንዘይምስራቕ ተሰማሚዖም


ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማን ምስ ንአሜሪካ ዝበጽሑ ዘለው ናይ ቻይና መዘንኦም ዚ ጂንፔንግ ሎሚ አብ ዋይት ሃውስ ተራኪቦም ተዘራሪቦም። አብቲ ርክብ መራሕቲ ክልቲኦም ሃገራት ብፍላጥ ኮነ ብዘይፍላጥ ሓንቲ ንናይታ ሓንቲ ሃገር ናይ ሳይበርናን ዋንነት ምሕዞን ምስጥራዊ ንግዲን ንዘይምስራቕ ተሰማሚዖም።

እዚ አብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ምንጪ ውጥረት ኾይኑ ጸኒሑ’ሎ።

ክልቲኦም መራሕቲ ሎሚ ብሓባር አብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ክልቲኦም ወገናት ንዘለዎም አፈላላይ አፍልጦ ብምሃብ አብ ካልኦት ሰፋሕቲ ጉዳያት ሓቢሮም ንምስራሕ ተሰማሚዖም።

XS
SM
MD
LG