ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብኣዊ ቅልውላው ሪፓብሊ ማእኸላይ ኣፍሪካ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ


A man takes part in looting a mosque in Fouh district in Bangui, Central African Republic, Dec. 10, 2013.
A man takes part in looting a mosque in Fouh district in Bangui, Central African Republic, Dec. 10, 2013.
ኣብ ሪፓብሊክ ማኽአላይ ኣፍሪካ ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ጉጅለታት ይካየድ ብዘሎ ውግእ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ይኸውን ከምዘሎ ተገሊፁ።

ዓሰርተታት ኣሽሓት ስቪላት ኣብ ዋና ከተማ ባንጉይ ኣብዝርከብ መዕረፎ ነፈርቲ የዕቑቡ ኣለው።ኣብታ ዋና ከተማ ይካየድ ካብዘሎ ውግእ ብምህዳም ሎማዕንቲ ዓርቢ እውን ናብቲ መዕረፎ ነፈርቲ ሃዲሞም ዝመፁ ተወሰኽቲ ሰባት ኣለው ክብል ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ካብቲ ቦታ ገሊፁ’ሎ።

እቲ ኣብ መንጎ ክርስቲያን ደገፍቲ ካብ ስልጣኖም ዝተባረሩ ፍራንስዋ ቦዚዝን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ስልጣን ዝሓዙ መብዛሕቲኦም ሙስሊማትን ኣብ ዝሓለፈን ሰሙን ውግእ ካብ ዝጅመር ልዕሊ 500 ሰባት ከምዝሞቱ ትካላት ረድኤት ኣፍሊጠን።

ሓያላት ሃገራት ብሕብረት ኣፍሪካ ንዝምራሕ ዓቃቢ ሰላም ንምጥንኻር ይሰርሑ ኣለው።ፈረንሳይ ድሮ 1,600 ወታደራት ናብታ ሃገር ልኢኻ’ላ።

ዩናይትድ ስቴትስ እውን ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ዝፅንበሩ ወታደራት ብሩንዲ ናብ ሪፓብሊክ ማእኽለያ ኣፍሪካ ብነፈርቲ ምግዓዝ ጀሚራ’ላ።

ኣብ ናይሮቢ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ዝሃባ ኣብ ኣፍሪካ ላዕለወይቲ ዲፕሎማሰኛ ዩናይትድ ስቴትስ ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ ዩናይትድ ስቴትስ ወታደራት ንምግዓዝ ተወሳኺ ሕቶታት ከም እተተኣናግድ ብምግላፅ ብቀዋምነት ግን ኣብታ ሃገር ወታደራታ ኣይተዋፍርን ኢለን።
ዩናይትድ ስቴትስ 40 ሚሊዮን ዶላር ዝፅጋዕ ገንዘብ ንስርሒትት ዓቃቢ ሰላም ሕበረት ኣፍሪካ ምምዳባ ቶማስ-ግሪን ሓቢረን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ዝተብሃለ ዓለምለኸ ትካል ረድኤት ንምንቅስቓስ ትካላት ረድኤት ሕቡራት መንግስታት ነቒፉ’ሎ።
XS
SM
MD
LG