ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ኣብ ስምምዕ ተኹሲ ምቁራጽ ክበጽሑ ተስፋ ከምዘሎ ትገልጽ

ኣመሪካ ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ኣብ ስምምዕ ተኹሲ ምቁራጽ ክበጽሑ ተስፋ ከምዘሎ ትገልጽ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:55 0:00

ኣመሪካ ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ኣብ ስምምዕ ተኹሲ ምቁራጽ ክበጽሑ ተስፋ ከምዘሎ ትገልጽ

ኣብ ጂዳ ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም ዝተላዘቡ ዘለው ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን፣ ንምስላጥ ሰብኣዊ ሓገዛት ክብሉ ጊዚያዊ ምቁራጽ ተኹሲ ንምግባር ክሰማምዑ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ተስፋ ከምዘሎ ኣመሪካዊ ዲፕሎማት ንኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ሎሚ ረቡዕ ገሊጾም።

ካብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ ዝተካየደ ውግእ 750 ሰባት ከምዝሞቱን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተፈናቐሉን’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣብ ሱዳን ካብ ዝተመዝገቡ 5000 ኣመሪካዊያን፣ ነቶም 1,300 ካብ’ታ ሃገር ከምዘውጽእዎም ነቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ገሊጾምሎም ኣለው።

ዝሓለፈ ቅነ መግለጺ ዘውጸአ ዋይት ሃውስ፣ ንርግኣት ሱዳን ዕንቅፋት ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሓይሊ እገዳ ከምዘንብረሉ ኣፍሊጡ እዩ።

XS
SM
MD
LG