ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኣሜሪካ ሕፅረት ካህናት ካቶሊክ ካብ ኣፍሪካ ብዝቑፀሩ ይቃለል


ናይ ኣሜሪካ ሕፅረት ካህናት ካቶሊክ ካብ ኣፍሪካ ብዝቑፀሩ ይቃለል
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:06 0:00

ናይ ኣሜሪካ ሕፅረት ካህናት ካቶሊክ ካብ ኣፍሪካ ብዝቑፀሩ ይቃለል

ናይ ኣሜሪካ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ካህናት ሕፅረት ከምዘጋጠማ ተፈሊጡ።ኣብቶም ዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ቁፅሪ ቀሳውስቲ ብ60 ምእታዊ ወሪዱ ኣሎ።

ኣብኣሜሪካ ሕፅረት ቀሳውስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣጋጢሙ ኣሎ።ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሳ ዓመታት መጠን ካህናት ብ60 ምእታዊ ቁፅሪ ፈለስቲ ድማ ብ75 ምእታዊ ወሪዱ ኣሎ።

ነዚ ሕፅረት እዚ ንምቅላል ድማ ናይ ሰበካታት ጉባኤ ካብ ወፃኢ ሃገራት ንምምልማል እናሰርሑ ይርከቡ።ምልመላ ይካይደለን ካብ ዘለዋን እምነት ካቶሊክ ብቕልጡፍ እናዓበየ ይኸደለን ካብ ዘለዋ ክፍለ ኣህጉራት ሓንቲ ኣፍሪካ እያ።

ቀሳውስትን ፈለስትን ካብ ናይጀሪያ ክሳብ ዙምባቤ ናብ ኣሜሪካ እናኣተው እዮም።ዝተፈላለዩ ሓላፍነት ሒዞም ኣብ ምስራሕ ይርከቡ።ከም ካህን፣ከም ወኪላት ናይታ ቤተ ክርስቲያንን መምህራንን ኮይኖም የገልግሉ።

እቲ ውህደት ወይ ምትሕውዋስ ቀሊል ንምግባር ሰበካታት ጉባኤ ኣብ መንጎ ካህናትን ዘገልግሉዎም ኣመንትን ዝህሊ ናይ ምርድዳእ ዕንቅፋት ንምእላይ ናይ ኣዘራርባ ወይ ኣክሰንት ስልጥና ዝኣመሰሉ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ፕሮግራማት የዋድዱ።

ረቨረንድ ኣታናሲየስ ቺዲ ኣባኑሎ ዝመለኹዎ ክእለቶም ተጠቒሞም ኣብ ናይ ኣላማባ ናይ ገጠር ከባቢታት ሰንበት፣ሰንበት ይሰብኩ።ዝሰብኩሉ ንውሒ ግዜ ዝውሰን ዝስበኽ ዘሎ መን እዩ ብዝብል እዩ።

ዊዶዊ ኣብ ዝተብሃለት ንእሽተይ ከተማ ኣብ ዝርከብ ኢማኩሌት ኮንሰፕሽን ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ንዝነብሩ መብዛሕቲኦም ኢንግሊዝኛ ተዛረብቲ ፀዓዱን ጡረተኛታትን ኣመንቲ ሸውዓተ ደቒቓ እታ ዝመቀረት ናይ ስብከት ግዜ እያ።

ንቶም ኣብ ኣሜሪካ የግልግሉ ካብ ዘለው ብዙሓት ኣፍሪካዊያን ካህናት ሓደ ዝኾኑ ናይጀሪያዊ ካህን ንተዛረብቲ ቋንቋ ስፓኒሽ ብኣርባዕተ ዕፅፊ ግዜ ክምህሩ ይኽእሉ።’’ብዙሕ ብዝሰበኽካ ቁፅሪ ዝበለፀ ይፈትውዎ’’ይብሉ።

‘’ናይጀሪያዊያን ናብ ቤተ ክርስቲያን ክመፁ ከለው ፍትሕ ይብሉ’’ ይብሉ ን18 ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ዘገልገሉ ካህን ኣባኑሎ።’’ምዝማር ይፈትው ፣ምስዕሳዕ ይፈትው።እቲ ቅዳሴ ንኽልተ ስዓታት ክፀንሕ ይኽእል።ብዙሕ ዘገድሶም ኣይኮኑን’’ይብሉ።

በዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ሃይማኖታዊ ፈለስቲ ካብ 1970 ኣ/ፈ ጀሚሩ ብ75 ምእታዊ ከምዝወረደ ናይ ጆርጅታውን ማእኸል ይገልፅ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:06 0:00


XS
SM
MD
LG