ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንግዳዊ ኲናት ሰሜን ኣመሪካ ካበይ ናበይ?


ንግዳዊ ኲናት ሰሜን ኣመሪካ ካበይ ናበይ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:39 0:00

ንግዳዊ ኲናት ሰሜን ኣመሪካ ካበይ ናበይ?

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካብ መክሲኮ፡ ካናዳን ቻይናን ዝኣቱ ንብረት፡ ብቐዳም ወሰኽ ግብሪ ገይሮም ኣለዉ።

ናብ ኣመሪካ ዝቐንዐ ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከቋርጾ ምዃኑ፡ ኣብ እዋን ጎስጓስ ወፍሪ ምርጫ ደጋጊሙ ዝጠቅስ ዝነበረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብዚ ወፍሪ ምትሕብባር ንዘየርእያ ሃገራት ቀጻዒ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ’ዩ። ቀዳም እምበኣር ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካናዳን መስኪኮን ናይ 25% ተወሳኺ ግብሪ፡ ኣብ ልዕሊ ቻይና ድማ ናይ 10% ወሰኽ ኣዊጁ ኣሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ንዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣድላዪ ስጕምቲ ኣይገበራን ክብል እንከሎ፡ ንመክሲኮን ቻይናን ከኣ ኣብ መፍረ ፈንታኔል ይኸሰን። ንምዃኑ እዚ ፈንታኔል ዝብሃል ዘሎ ባእታ እንታይ ምዃኑ ንኸብርሃልና ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦሃዮ ተሓባብሪ ፕሮፈሰርን መምህርን ኣብ ኮለጅ ጥዕና ዝዀነ ዶክተር ዘልኣለም ተካ ሃይለ ተወኪስናዮ ኔርና።

ዶክተር ዘልኣለም፡ ብዘይሕጋዊ ኣገብባ ዝተሰርሐ ፋንታኔል ኣብ ካልእ መድሃኒታት ተወሲኹ፡ ሓደገኛ ሳዕቤን ከም ዘኸትል ይገልጽ። ንሱ ድማ ምስ ብርታዐ እቲ መድሃኒትን ናይ ምድንዛዝን ምውላፍን ዓቕሙ ምዃኑ’ዩ።

ድሕሪ ናይ ቀዳም ትእዛዝ ወሰኽ ግብሪ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ ተሪር ግብረ-መልሲ’ዩ ሂቡ። ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ካብ ኣመሪካ ዝኣቱ ንብረት ብተመሳሳሊ ናይ 25% ግብሪ ክትውስኽ ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ። እዚ ድማ ንኣስታት 100 ቢልዮን ንግዳዊ ልውውጥ ክልተኣን ሃገራት ዝጸሉ’ዩ። ፕረዚደንት መክሲኮ ካልውዲያ ሻይንቦም’ውን ተመሳሳሊ ግብረ-መልሲ ከም እትህብ ኣቐዲማ ኣእንፊታ ነይራ።

ዝርዝር ናይቲ ክትወስዶ እትዳሎ ዘላ ስጉምታት ዘይጠቐሰት ቻይና ብወገና፡ ኣድላዪ ዝበለቶ ናይ ነብሰ-ምክልኻል ስጉምቲ ክትወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቓ ኣላ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ንሓባራዊ ዕብየትን ስራሕን” ኢሉ ዝጸውዖ መስመር ንምድንፋዕ፡ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ክትእርሞ ጸዊዑ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቻይናን ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ፡ ዘይተመዓራረየ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቻይና ካብ ኣመሪካ ንላዕሊ ናይ ኣስታት ሓደ ትሪሉዮን ዶላር ሰደድ ከም እትገብር ይፈልጥ። ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ጋግ ከመዓራርዮ ከም ዝደሊ ደጋጊሙ ክሕብር ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ንግዳዊ ኲናት ሰለስተ ጎረባብቲ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ ከመይ ክቕጽልን እንታይ ኣንፈት ክሕዝን ከም ዝኽእል ንምብራህ ንፕሮፈር ኪዳነ መንግስትኣብ ተወኪስናዮ ኔርና።

ዝርዝር ደኣ ኣይሃበን እምበር፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ ኣሎ። ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ተመሳሳሊ ግብረ-መልሲ ክህባን ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ምዝባዕ ዕዳጋ ክዳለዋን ጀሚረን ኣለዋ። እቲ ደምበን ኣመሪካን ብምትሕብባር እምበር ብምውድዳርን ህልኽን ክረብሕ ዘይምዃኑ ዘመልከቱ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮንን ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝን፡ እቲ ደምበ ንዅሉ እንተታት ድሉው ምዃኑ ሎሚ ሰኑይ ገሊጾም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG